ኢትዮጵያ: ሩባ ኦሞ ብምምልኡ ዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ኣስታት 62,000 ሰባት ካብ መንበሪኦም ምዝንባሎም ተሓቢሩ

ሩባ ኦሞ

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ዞባ ደቡብ ኦሞ ወረዳ ዳሰነች ሩባ ኦሞ ብምምል ኡ ልዕሊ 62,000 ነበርቲ ካብ መንበሪኦም ምዝንባሎምን ንፀገም ምቕልዖምን ተሓቢሩ።

ምምሕዳር ዞባ ደቡብ ኦሞ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት የጋጥም ዝበሎ ሓደጋ ምዕልቕላቕ ሩባ ኦሞ ነባሪ ፍታሕ ንምርካብ ናይቲ ክልልን ናይ ፌደራልን መንግስታት ኣብ መፅናዕቲ ዝተመስረተ ስጉምቲ ክወስዱ ከምዘለዎም ኣተሓሳሲቡ።