ፖሊስ ብገበን ብልሽውና ተጠርጢሮም ንዝበሎም ሚንስተር ኮሚኒኼሽን ነበር ኣቶ በረከት ስምኦንን ኣቶ ታደሰ ካሳን ሎሚ ረቡዕ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም መንግስታዊ ኣገልግሎት ዜና ፋና ሓቢሩ።
ክልቲኦም ውልቀሰባት ‘ጥረት’ ዝተባህለ ትካል የማሓድሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ገንዘብ ኣጠፋፊኦም እዮም ብዝብል ክሲ ሎሚ ንግሆ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ኮሚሽነር ኮሚሽን ጸረ ብልሽውና ክልል ኣምሓራ ዝግኣለ ገበየሁ ብምጥቃስ ፋና ሓቢሩ ።
እቶም ኮሚሽነር ብተወሳኺ ኣቶ በረከት ስምኦንን ኣቶ ታደሰ ካሳን ካብ መንበሪ ገዝኦም አዲስ ኣበባ ናብ ባህርዳር ከምዝተወስዱ ገሊጾም መስርሕ ፍርዲ ድማ ኣብቲ’ቲ ገበን ዝተፈጸመሉ ክልል ከምዝካየድ አረዲኦም።
ኣቶ በረከት ስምኦን ካብ 1995-2012 ሚንስተር ሚንስትሪ ኮሚኒኼሽን ዝነብሩን ሓደ ካብ መስረቲ ጥረት ኮርፐረሽን ኮይኖም ክሳብ 2017 ድማ ኣብ መሪሕነት’ቲ ኮፐረሽን ይሰርሑ ምንባሮም ይፍለጥ።
ኣቶ ታደሰ ካሳ ድማ አባል ቦርድ ምምሕዳር ጥረት ዝነበሩ እዮም።
ጥረት ዋንነቱ ናይ ኣምሓራ ክልል ምምሕዳር ኮይኑ ናይ መስተ መፍረይ: ናይ ህንጻን ካልእ ሎጀስቲክ ትካላትን ዝሓዘ ኮርፐረት ትካል’ዩ።
ግብረ መልሲ ኣቶ በረከት ኮነ ኣቶ ታደሰ ንምርካብ ዝተካየደ ፈተነ ከምዘይተዓወተ ሮይተርስ ኣብ ዘውጽኦ ዜና ገሊጹ’ሎ።
Your browser doesn’t support HTML5