ኢትዮጵያ: መንግስቲ ጡረታ ንዝወጹ አባላት ፓርቲን መንግስቲን ዝወሃቦም ዝነበረ ረብሓታት ምሕዳጉ ተገሊጹ

  • ዜና ቪኦኤ
    ተወልደ ወልደገብረኤል

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብጡረታ ንዝወጹ ሰበስልጣን መንግስትን ፓርትን ተዋሂብዎም ዝነበረመንበሪ ገዝኦምን መኻይኖምን ከሕድጎም ምጅማሩ ይገለጽ ኣሎ። ጋዜጣታት ውሽጢ ሃገር ከም ዝሓበርኦ ካብ መንጎ ረብሓታት መንግስቲ ዝተኸልከሉ፡ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ኣቶ ስዩም መስፍን፥ ሚንስተር ንግድን ኢንዱስትሪን ዝነበረት ፈትለወርቅ ገብረዝግኣብሐር፥ ኣቶ ስብሓት ነጋ፥ ኣቶ ዘርኣይ ኣስገዶም ኣቶ ኣስመላሽ ኣባነፍሶ፥ ወ/ሮ ኬርያ ኢብራሂም፥ ዶ/ር ካሱ ኢላላ፥ ኣቶ ተድሮስ ሓጎስ ይርከብዎም።

ሓላፊ ፕረስ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ብዛዕባ’ዚ ክገልጽ ከሎ፥ እቲ ጉዳይ ንኮርፖረሽን ኣባይቲ ዝምልከት ስለዝኾነ ኣብ ቀረባ መግለጺ ከምዝውሃበሉ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ`ሎ።

እቲ ስጉምቲ ብመሰረት ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ቤት ምኽሪ ሚንስትራት ዘሕለፎ ውሳነ ዝትግበር ዘሎ ምዃኑ እተን ጋዜጣታት ሓቢረን ኣለዋ። ብመሰረት `ቲ ሓበረታ ኣቶ ስዩም መስፍን ኣቶ ስብሃት ነጋን ወ/ሮ ፈትለወርቅን መንበሪኦም ኣብ ክልል ጌሮም እቲ ኣባይቲ ግን ናይ ቀረባ ኣዝማዶም ክጥቀምሉ ከምዝጸንሑ ተጠቒሱ`ሎ።

ጋዜጣ ኣዲስ ፎርቹን ዘዘራረቦም ነባር ኣባል ሕወሓት ኣቶ ስብሓት ነጋ ብዛዕባ`ቲ ጉዳይ ተሓቲቶም ክምልሱ ከለዉ፥ ነቲ ገዛ ክሓድግዎ እኹል ግዜ ከምዘይተዋህቦም ተዛሪቦም ኣለዉ።