አዲስ አበባ —
ኢትዮጵያ ንመጀመርያ ግዜ መርመራ DNA ኣብ ኮሚሽን ፖሊስ መርመራ ገበን ክትጅምር ምዃና ተፈሊጡ።
ቤት ጽሕፈት መርመራ ገበናት ፈደራል ፖሊስ፥ ካብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ኣትሒዙ ኣብ ኣተሓሕዛ ተጠርጠርቲ ጥሕሰት ንኸይፍጸም ዝተፈላለዩ ምምሕያሻት ክግበር ከምዝጸንሐ ዝገለጸ ፈደራል ፖሊስ፥ ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ እሱራት ዓለምለኸ ደረጃ ዝሓለወ ንክኸውን ይስራሕ ከምዘሎ ኮሚሽነር ፈደራል ፖሊስ ደምመላሽ ብገብረሚካኤል ኣፍሊጡ።
ፈደራል ፖሊስ ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ መርመራታት የካይድ ምህላዉ'ውን ጠቒሱ'ሎ።
ኣተሓሒዙ መርመራታት ፖሊስ ብሳይንሳዊ ኣሰራርሓ እናሓየለ መታን ክኸይድ ኣብ ፎረንሲክ መርመራ ፍሉይ ትኹረት ክገብር'ዩ ኢሉ።
ምኽትል ሓላፊ ቢሮ ፈደራል ፖሊስ ሙሊሳ ኣብዲሳ ብወገኑ፥ ኣብዚ እዋን'ዚ ብኸቢድ ገበን ዝጥርጠሩ ውልቀሰባት እንተበዝሐ ን ኣርባዕተ ኣዋርሕ ናይ መርመራ ግዜ ጥራሕ'ዮም ኣብ ማእከል መርመራ ፈደራል ፖሊስ ዝጸንሑ ምባሉ ተገሊጹ'ሎ።