ኢትዮጵያ: ኣብ ዙሪያ ሰብኣዊ መሰላት ዝሰርሑ ትካላትን ወልቀሰባትን ሕብረት ፈጢሮም

  • መለስካቸው ኣምሃ
    ገብረ ገብረመድህን

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዙሪያ ሰብኣዊ መሰላት ዝሰርሑ ትካላትን ወልቀሰባትን ሕብረት ፈጢሮም።

ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ደቂ ኣንስትዮ ሰብ ሞያ ሕጊ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ዝሰርሑ ኢትዮጵያዊን ትካላትን ሽዱሽተ ሰብ ሞያ ሕግን ዝሓቖፈ “ሕብረት ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ’’ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ጥምረት ሎሚ ዓርቢ ወግዓዊ ኮይኑ’ሎ።

ንተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብኩለ መዳይ ዝሓሸ ኩነታት ንምፍጣር እዚ ሕብረት ወግዓዊ ምዃኑ ብራስልስ ናይ ዝርከብ ዋና ዳይረክተር “ምትእኽኻብ ንሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኢትዮጵያን’’ ናይዚ ዝተፈጥረ ሕብረት ዋና ኣተሓባባሪን ኣቶ ያሬድ ሃይለማሪያም ገሊፆም።

ኣቶ ያሬድ ቅድም ክብል ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ይፍፀሙ ዝነበሩ መግሃስቲ መሰላት ሎሚ ብጉጅለታትን ወልቀሰባትን ይፍፀሙ ምህላዎም ዘፍርሕ እዩ ኢሎም ።

“ብደረጃ መንግስቲ ግንዛበ ሰብኣዊ መሰላት ናይ ምዕባይን ናይ ምትብባዕን ፅቡቕ ምልክታት ይርኣዩ ኣለው።ግን መንግስታዊ ዘይኮኑን ብበደርጅኡ ዝተወደቡን ዝተፈላለዩ ኣካላት ቅድሚ ሎሚ ብመንግስቲ ይፍፀሙ ካብ ዝነበሩ መግሃስቲ መሰላት ኣዚዩ ብዝኸፍአ ደረጃ መግሃስቲ መሰላት ይፍፅሙ እዮም ዘለው።

ኣቶ ያሬድ ወሲኾም መንግስቲ ሰብኣዊ መሰላት ከይጥሓስ ሓለዋ ናይ ምግባር ግቡእ ኣይፍፅምን ዘሎ እውን ኢሎም ።

“መንግስቲ ሰብኣዊ መሰላት ዘይምሕላውን እዞም ብጉጅለ ዝተወደቡ ሰባት ከምድላዮም ሕጊ እናጠሓሱ ንዜጋታት ኣብ ሓደጋን ስግኣትን ክወድቑ ምግባሮምን ተደሚሩ ክምሓይሽ እዩ ኢልና ተስፋ ኣብ ዝሰነቕናሉ ግዜ ናብ ናይ መወዳእታ ሕማቕ ደረጃ ወሪዱ’ሎ። “

ናይ መንግስቲ ሕጊ ናይ ምኽባር ሓላፍነትት ንድርድር ዝቐርብ ኣይኮነን ናይ ስቪክ ማሕበረሰባትን ትካላት ኣብያተ ትምህርትን ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ኣስተምሃሮ ክህባ ኣለወን ኢሎም።