ኢትዮጵያ 50 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብዎ ሓድሽ ካቢነ ትምዝዝ

Your browser doesn’t support HTML5

ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ቁጽሪ ኣብያተ ዕዮ ሚንስተራት ካብ 28 ናብ 20 ብምውራድ ብሶሉስ ሓድሽ ካቢነ ሚንስተራት መዚዙ። ፍርቂ ካብዚ ሓድሽ ዝተመዘዘ ካቢነ ደቂ ኣንስትዮ’ዩ ብተወሳኺ ኣብ ታሪኽ’ታ ሃገር ንመጀመርያ ጊዜ ጓል ኣንስተይቲ ሚንስተር ምክልካል ተሸይማ አላ። ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪቃ ንሩዋንዳ ስዒባ ማዕረ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን አባላት ካቢነ ሚንስተራት ዘለዋ ካልኣይቲ ሃገር ኮይና አላ።