ኢትዮጵያ- ካብ ወልፊ ጫት መናገፊ ማእከል

Your browser doesn’t support HTML5

ኢትዮጵያ ካብ ቡን ቀጺላ ብብዝሒ ንወጻኢ ሃገራት ንፍላይ ድማ ጅቡቲን ሶማል ጫት ትሰድድ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዎ ጠለብ’ውን ውሑድ ኣይኮነን።ዋላ’ኳ ዝበዝሑ ወልፈኛታት ጫት ከም ምዕጻው ሸውሃት፡ ምፍራስ ኣስናንን ድቃስ ምስኣንን ዝአመሰሉ ኣሉታዊ ጽልዋ’ቲ ወልፊ እንተዘየሓብኡ ንወልፊ ጫት ከም ባህላዊ ንጥፈት እምበር ከም ማሕበራዊ ጸገም ኣይርእይዎን። ካልኦት ድማ ብሰንኪ ወልፊ ጫት ስርሖም፡ገንዘቦምን ፈተውቶምን ስድራቤቶም ከምዝሰአኑ ይገልጹ።