ኢሰመጉ ሕቶ ክልል ሲዳማ ዝምልከቶም ወገናት ነቲ ፀገም ብሰላማዊን ሕጋውን ኣገባብ ንምፍታሕ ክሰርሑ ሓቲቱ

  • መለስካቸው ኣምሃ
    ገብረ ገብረመድህን

ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ/ኢሰመጉ/ ሕቶ ክልል ሲዳማ ብዝምልከት መንግስትን ዝምልከቶም ወገናትን ነቲ ፀገም ብሰላማዊን ሕጋውን ኣገባብ ንምፍታሕ ብሓባር ክሰርሑ ሓቲቱ።ኣብ ባህርዳርን ኣዲስ ኣበባን ዝተፈፀመ ዘሰቅቕ ቅትለት ሰበስልጣን መንግስቲ ስዒቡ ፖሊስ ንተጠርጠርቲ ይሕዘሉ ዘሎ ኣገባብ ኣብቲ ለውጢ ዝተርኣየ ተስፋ ዘፀልምት እዩ ክብል’ውን እቲ ትካል ወሲኹ ኣፍሊጡ።

ኢሰመጉ ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣብ ዝሓለፈ ኣስታት ሓደ ዓመት ኣብታ ሃገር ብመስርሕ ለውጢ ዝተረኸቡ ውፅኢታትን ዘጋጠሙ ፀገማትን ብፍላይ ድማ የስግኡ’ዮም ዝበሎ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ዘርዚሩ’ሎ።

ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ተጀሚሩ ዝነበረ ተስፋ ዝህብ ስጉምቲ ካብ እዋን ናብ እዋን ክሽርሸር ድሕሪ ምፅናሕ እቲ ኩነታት ሎሚ ኣብዝተሓሳስብ ደረጃ በፂሑ’ሎ ክብል ስግኣቱ ገሊፁ’ሎ።

ኣብ ጉዳይ ናይ ሲዳማ ሕቶ ክልል ብዝተኣሳሰር ንኹሎም ወገናት ጻውዒት ኣቕሪቡ’ሎ።ዳይሬክተር ናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ጉባኤ ኣቶ ቢንያም ኣባተ ኣብ ከተማ ሃዋሳን ከባቢኣን ዝነብሩ ዜጋታት ኣብ ስግኣት ዘውደቐ ብምዃኑ ናይ ፀጥታ ስግኣት እውን ልዕል ናብ ዝበለ ደረጃ ምብፅሑ ምልክታት ተራእዮም ኣለው ኢሎም።

“መንግስቲ፣ሽማግለታት ዓዲ፣ከምኡ እውን ነቲ ሕቶ የተሓባብሩ ዘለው ኣካላትን ምሁራትን ብቕልጡፍ ሓባራዊ ፍታሕ ብምንዳይ ነቲ ስግኣት ከሕድኡ ወይ ከምዚ ዝበለ ስግኣት ከይልዓል ከምኡ እውን እቲ ሕቶ ብሰላማዊን ሕጋውን ኣገባብ ክፍታሕ ሓቢሮም ክሰርሑ ኢሰመጉ ኣጥቢቑ ይሓትት።”

ብኻልእ ወገን ኢሰመጉ ቅድሚ ሰሙናት ኣብ ከተማታት ኣዲስ ኣበባን ባህርዳርን ዝተፈፀሙ ቅትለታት ስዒቡ መንግስቲ ይወስዶ ዘሎ ስጉምቲ መጠነ ሰፊሕ እዩ ኢሉዎ’ሎ ።ብፍላይ ድማ ይውሰድ ዘሎ ማእሰርቲ ቅድሚ ለውጢ ዝነበረ ናይ ዓፈናን ፀቕጥን ስርዓት ዘዘኻኽር እዩ ኢሉዎ’ሎ።

“ ወፍሪ ማእሰርቲ ኣባላት መራሕቲ ተነሓናሕቲ ፓርትታት ከምኡ እውን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ፅንኩር ሕቶ ዘልዕሉ ውልቀሰባት ዝሓወሰ ምዃኑ ነቲ ናይ ለውጢ መስርሕ ንድሕሪ ከይምልሶ የስግእ።”

ብፍላይ ድማ ናይ ኣምሓራ ብሄራዊ ምንቅስቓስ/ኣብን/ ናይ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ/ኦፌኮ/፣ናይ ኢትዮጵያ ዜጋታት ንማሕበራዊ ፍትሒ /ኢዜማ/ን ናይ ኣዲስ ኣበባ በዓል ሕድሪ ቤት ምኽሪ ብዝብል ዝፍለጥ ምትእኽኻብ ኣባላትን ደገፍትን ኣብ ልዕሊ ዝበሃሉ ውልቀሰባት ኣብዝተፈላለዩ ክፋላት ሃገር ዝተፈፀሙ ማእሰርቲ ዘተሓሳብ እዩ ኢሉ።

ኢሰመጉ ኣብ መግለፂኡ ንኣገልግሎት ኢንተርኔት ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ምዕፃው ናይ ዜጋታት ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰል ዝጥሕስ እዩ ክብል’ውን ተቓዊምዎ ኣሎ።መንግስቲ ዝወስዶ ስጉምቲ ግሉጽን ክሕሎ ካብ ዝድለ ናይ ህዝቢ ረብሓ ዝመጣጠን ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።

“ኣብ ከተማታት ኣዲስ ኣበባን ባህርዳርን ዝተፈፀመ ዘስካሕክሕ ቕትለት ስዒቡ ዝተወስደ ስጉምቲ ንኩሉ ዓይነት ኣገልግሎት ኢንተርኔትን ኣብታ ሃገር ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ዝዓጸወ ብምንባሩ ውድብና እቲ ስጉምቲ ተመጣጣኒ ኣይነበረን ኢሉ ይኣምን።”

ኣብ መንጎ ህውሓት ኣዴፓን ይርኣይ ዘሎ ውጥረት እውን ክልቲኡ ኣሕዋት ህዝቢ ናብ ግጭት ከምርሕ ከምዝኽእል ስግኣቱ ዝገለፀ ኢሰመጉ እተን ውድባት ኣፍላላያቶም ብሰላማዊ ኣገባብ ክፈትሑ ጸዊዑ’ሎ።

ልዕልነት ሕጊ ዝተረጋገፅ ነይሩ እንተዝኸውን ናይታ ሃገር ሰላም ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ምሃለወ ኔሩ ኢሎም።

“ሎሚ ሃገርና ኢትዮጵያ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ኣብ ዝልዓለ ስግኣት ስእነት ሰላም ከም እትርከብ ይፍለጥ።ካብዚ ስግኣት ንምውፃእ መንግስቲ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ንህዝብን ዝምልከቶም ኣካላትን ዘሳተፈ መፍትሒ ከናዲ ኢሰመጉ ይሓትት።”

ናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ጉባኤ ብዝተስዓረ ሕጊ ማሕበራትን ገበርቲ ሰናይን ተመንጢሉ ዝነበረ ሽሙ ኢሰመጉ ቅድሚ ሒደት መኦኣልታት መሊሱ ምርካቡ ኣብዚ ጋዜጣዊ መግለፂ ገሊፁ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ኢሰመጉ ሕቶ ክልል ሲዳማ ብዝምልከት መንግስትን ዝምልከቶም ወገናትን ነቲ ፀገም ብሰላማዊን ሕጋውን ኣገባብ ንምፍታሕ ክሰርሑ ሓቲቱ