ኢራን ኣብ ጉዳይ ዩክሌር ዝተቛረጸ ልዝብ ብቅልጡፍ ክጅመር ትጽውዕ

  • በትረ ስልጣን
    ዜና ቪኦኤ

ፕረዚደንት ኢራን ኢብራሂም ረይሲ - ፋይል

ኢራን ምስ ሓያላን ሃገራት ዓለም ይካየድ ዝነበረን ዝተቛረጸን መስርሕ ልዝብ ኣብ ጉዳይ ፕሮግራም ንዩክለር ብቅልጡፍ ንክቅጽል ጸዊዓ።

ኢራን፣ ምስ ብሪጣንያ፣ ቻይና፣ ፈረንሳ፣ ጀርመንን ሩስያን ብቀጥታ ምስ ኣመሪካ ድማ ብተዘዋዋሪ ትላዘብ ከምዝነበረት ዝዝከር ኮይኑ ኣመሪካ ኣብ እዋን ምምሕዳር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፣ ካብ’ቲ ልዝብ ከምዝሳሓበት ይፍለጥ።

ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን "ኣብ ሞንጎ ኢራንን ስዑድያን ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ዝተሳለጠ ልዝብ ንቅድሚት ጠማቲን ኣዎንታዊን እዩ ነይሩ’ ክብል ገሊጹ።