ኢራን ንፖለቲከኛ ናይ ሞት ፍርዲ ትህብ፣ ጀርመን ክልተ ዲፕሎማት ትሰጕግ

  • ዜና ቪኦኤ

ፋይል

ቤት-ፍርዲ ኢራን፡ ኣብቲ ህይወት ብዙሓት ዝወሰደ መጥቃዕቲ መስጊድ 2008 ኢድ ነይሩዎ ንዝበሎ ሻምሺድ ሻርማህድ ናይ ሞት ብይን ሂቡ።

ሰብ-መዚ ኢራን፡ ሻርማህድ መራሒ ወታሃደራዊ ጉጅለ ኰይኑ፡ ነቲ ኣብ 1979 ዝተዓልወ ንግስነት ኢራን ክመልስ ዝቃለስ ምዃኑ ይኸሱ።

ናይ ኣመሪካ መንበሪ ፍቓድን ናይ ጀርመን ዜግነትን ዘለዎ ሻርማሃድ ብኣባላት ጸጥታ ኢራን ተጨውዩ’ዩ ናብታ ሃገር ተወሲዱ። ስድራቤቱ፡ ወሃብ-ቃል ናይ ተቓወምቲ ውድብ ደኣ’ምበር ኣቦ-መንበር ዘይምንባሩ ይምጕቱ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ልዕሊ ጃምሺድ ሻርማህድ ዘይቅኑዕ ፍርዲ ተበይኑ ብምባል፡ ጀርመን ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ክልተ ዲፕሎማት ኢራን ሰጒጓ ኣላ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን፡ ሻርማህድ ብዘይ ግቡእ ምእሳሩን ኣብ ናጻ ፍርዲ ዘይምቕራቡን ክምጕት ጸኒሑ’ዩ። ሕጂ ድማ ንቤት ፍርዲ ኢራን ነቲ ዝሃቦ ውሳነ ክልውጥ ይጽውዕ ኣሎ። ሻርምህድ ይግባይ ናይ ምባል መሰል ኣለዎ።