ኢራን ንኣመሪካን እስራኤልን ብምስላይ ዝኸሰሰቶ ሰብ ብሞት ቀጺዓ

  • ተወልደ ወልደገብረኤል
    ዜና ቪኦኤ

ሚንስትር ፍትሒ ኢራን

ኢራን ንኣመሪካን እስራኤልን ብምስላይ ዝኸሰሰቶ ሰብ ብሞት ቀጺዓ። እቲ ኢራናዊ ንሞት ዝተፈረደ ንኣመሪካን እስራኤልን ፥ ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ ቃሲም ሱለይማኒ ዝነበሮ ቦታ ኣብ ምሕባር ናይ ስለያ ሓበረታ ኣቐቢልካ ብዝብል`ዩ። ኢራናዊ ጀነራል ሱለይማኒ ኣብ መጀመርያ`ዚ ዓመት ብድሮን ኣመሪካ ከምዝተቐትለ ይዝከር።

ብኻልእ ወገን እዚ ዜና ዝሰማዕ ዘሎ፥ ሚልዮናት ኢራናውያን ናብ ማሕበራዊ ሚድያ ወጺኦም እቶም ኣንጻር መንግስቲ ኣብ ዝተኻይደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ብምስታፍ ንሞት ዝተፈርዱ ሰለስተ ሰባት ከይቅተሉ ድምጾም ኣብ ዘስምዕሉ ዘለዉ እዋን`ዩ።

ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ኢራን ሕጂ ንጉዳይቶም ሰለስተ ዳግም ክግምግሞ ወሲኑ`ሎ።