ኡጋንዳ: ሕማም ኢቦላ ህይወት ህጻን ቀዚፉ

ትሽዓተ ዓመት ዝዕድመኣ ህጻን ብሕማም ኢቦላ ተጠቒዓ ኣብ ኡጋንዳ ከምዝሞተት ሰበ ስልጣን ሚኒስትሪ ጥዕና ኡጋንዳ ኣፍሊጦም።

እታ ህጻን ካብ ቁጽሪ ብሕማም ኢቦላ ዝተጠቕዑ ኣስታት ሰልስተ ሽሕ ዝበጽሓላ ኮንጎ ናብ ኡጋንዳ ምስ ወላዲታ ትጉዓዝ ዝነበረት ምንባራ ድማ ተሓቢሩ።

ብመሰረት ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ሓበሬታ: እታ ህጻን ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ዶብ ኡጋንዳን ኮንጎን ክትሰግር እንከላ ብዝተገብረላ መርመራ በቲ ሕማም ጥቕዕቲ ምኻና ድሕሪ ምፍላጡ: ኣብ ሕሙማት ዝፍለዩሉ ማለት ካረንቲን ኣትያ ጸኒሓ። እታ ህጻን ብነቑጣ ዶብ ኡጋንዳን ኮንጎን ትሓልፍ ብምንባራ ምስ ዝኾነ ኡጋንዳዊ ተተናኺፋ ክትከውን ከምዘይትኽእል ድማ ሰበ-ስልጣን ሚኒስትሪ ጥዕና እምነት ከምዘለዎም ገሊጾም ኣለው።

ሕማም ኢቦላ ካብ ዝሓለፈ ዓመት 2018 ኣትሒዙ ኣብ ኮንጎ ኣስታት ክልተ ሽሕ ሰብ ከምዝቐተለ ይሕበር። ውድብ ዓለማዊ ጥዕና ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣብ ኮንጎ ቁጽሪ በቲ ሕማም ዝተታሕዙ ሰለስተ ሽሕ ይበጽሕ ኢሉ'ሎ። ቁጽሪ በቲ ሕማም ከምዝተቐትሉ ብዕሊ ዝፍለጥ 1,893 ከምዝኾነን: ኣብታ ሃገር ብፍላይ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ኪቩ ብማእከላይ ገምጋም ኣስታት ሰባት ኣብ ሰሙን ብሕማም ኢቦላ ከምዝተሓዙ እቲ ካብ ውድብ ዓለማዊ ጥዕና ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።
ሕማም ኢቦላ ካብ በቲ ሕማም ዝተለኽፈ ሰብ ዝወጽእ ፈሳሲ ብጥዑይ ሰብ ምስ ዝትንከፍ ከምዝመሓላለፍ ይሕበር።