አዲስ አበባ: ዘተ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ኢትዮጵያ

ፖለቲካዊ ፓርትታት ኢትዮጵያ ምክፍፋል ኣወጊዶም ሓድነቶም ከፅንዑ ፃውዒት ቐሪቡ።ነዚ ፃውዒት ዘቕረቡ ኣብ ቀረባ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብዝተዳለወ ዘተ ዝተሳተፉ ፖለቲካዊ ፓርትታት እዮም።

ኦሮሚያ ሚዲያ ኔት ዎርክ/OMN/ ‘’ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ለውጢ ክቕፅል ተራ ፖለቲካዊ ፓርትታት እንታይ ክኸውን ኣለዎ’’ ብዝብል ኣርእስርቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሂልተን ሆቴል ኣብ ዘዳለዎ ዘተ ልዕሊ 30 ሃገራውን ክልላውን ፖለቲካዊ ፓርትታት ተሳቲፎም።

ዳይረክተር ናይ ኦሮሚያ ሚዲያ ኔት ዎርክ ጀዋር መሓመድOMN ድምፂ ኦሮሞ ንምዃን እንተተበገሰ እውን ኦሮሞ ንበይኑ ለሚዑ ኣብ ዝበፅሖ ስለዘይብሉ ዝሓሸት ናይ ሓባር ሃገር ንምህናፅ ንኹሉ ዘሳትፍ ክኸውን እዩ ኢሉ ።

“ተቓወምቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ተፅዕኖ ግበሩ።ድራር ተጋቢዝኩም ፎቶ ተላዒልኩም ጥራሕ ኣይትውፅኡ።OMN ድምፂ ህዝቢ ኦሮሞን ኦሮሚያን ምዃኑ ክንሕስወኩም ኣይንደልን፤ግልፂ እዩ።ግን ድምፂ ህዝቢ ኦሮሞ እናተሰምዐ ናይ ካሊእ ህዝቢ ድምፂ ዘይስማዕ እንተኾይኑ፣መሰል ህዝቢ ኦሮሞ ተሓሊዩ ናይ ካሊእ ዘይኽበር እንተኾይኑ መሰል ዝብሃል ነገር የለን።”

ኣቶ ጃዋርዋና ናይ ኩሉ ሓሳባት ዘሳትፍ መድረኻት ንክኸውን ክንሰርሕ ኢና ኢሉ። ፀሓፊ ኦነግ ኣቶ ኣሚን ጁንዲ ነቲ ለውጢ ናይ ምሕላው ሓላፍነት ኣለና ኢሎም።

“ናይ ቄሮታት፣ናይ ፋኖታት፣ናይ ወፃእን ውሽጥን ፖለቲካዊ ውድባት፣ኣብ ውሽጢ ኢህወዴግ ካብ ዘለው ናይ ውሽጢ ሓርበኛታት ዝመፀ ናይ ኩልና ለውጢ ስለዝኾነ ብሓደ ቋንቋ ክንድግፎ ይግባእ።”

ኣብ መንጎ ህዝብታት ሰላምን ምፍቕቓርን ክቕፅል ምስራሕ ሓላፍነት ኩለን ፓርትታት እዩ እውን ኢሎም ኣቶ ኣሚን።

‘’ኣነ እንተዘይመሪሐ’’ ዝብል ፖለቲካዊ ፓርታት ዝወልድን ዘርባሕን ኣካይዳ ክነወግድ ኢና ዝበሉ እውን ነይሮም።

ምኽትል ኣቦ ወንበር ዓረና ትግራይ ኣይተ ጎይትኦም ፀጋይ ኣብ መብዛሕቲኡ ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ለውጢ ኣብ ትግራይ ኣሎ ክብሃል ኣይክእልን ኢሎም።

“ንነዊሕ እዋን ኣብ ክንጠፋፋእ ኢና ፀኒሕና።ነዚ ክቕፅይር ዝኽእል ሒዞም ብምምፅኦም ሕጉስ እየ።ከም ትግራዋይ ኣብኡ ይፍፀሙ ዘለው ግን ዘሕዝኑ እዮም።ኣብ ቀረባ ብገጀራን ብፋስን ዝተውቕዑ ኣባላትና ኣለው።ኣብ ካሊእ ቦታ ነፃነት በዚሑዎምስ ናብ ዘይሕጋዊ ተግባራት እናኣተው ዕንቅፋት ይፈጥሩ ኣለው።ሓቂ እዩ ኣብ ክልልና ዘይሕጋውነት ኣሎ፣ነፃነት የለን።ዘይሕጋዊ ተግባራት ይፍፅሞም ዘሎ ግን መንግስቲ እዩ።”

ካልኦት ፖለቲካዊ ፓርትታት እውን ነቲ ለውጢ ብጥንቃቐ ክትሓዝ ኣለዎ ኢሎም።