አባላት ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ ንመንግስቲ ክልሎም ራሕሪሖም ናብ ክልል ኣምሓራ ምእታዎም ተገሊጹ፥ መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን ነቲ ሓበሬታ ነጺግዎ'ሎ

ኣብ ኢትዮጵያ፥ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ክልል ትግራይ፡ ንመንግስቲ ክልል ትግራይ ራሕሪሖም ናብ ክልል ኣምሓራ ኣትዮም ክብል ክልል ኣምሓራ ኣፍሊጡ ።

ክሳብ ትማሊ፥ 60 ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ክልል ትግራይ መምስ ዕጥቆም ናብ ክልል ኣምሓራ መጺኦምና`ለዉ ዝበለ ዳይሬክተር ኮሚኒኬሽን ክልል ኣምሓራ ጌታቸው ብዙነህ፥ ምስ ምርጫ ትግራይ ብምትሕሓዝ ካብ ማእሰርትን መቕጻዕትን ከም ዝሃደሙ ምዃኖም'ውን ገሊጹ`ሎ።

ብዛዕባ'ዚ ምላሽ ዝሃበ ቤት-ጽሕፈት ርክብ ህዝቢ ክልል ትግራይ ብወገኑ፥ እቲ ንክልል ትግራይ ራሕሪሖም ናብ ክልል ኣምሓራ ኣትዮም ዝብል ወረ 'ውጹእ ሓሶት`ዩ-ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ምርጫ ንምህዋኽ ዝዓለመ`ዩ' ዝብል ምላሽ ሂቡ`ሎ።​

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።

Your browser doesn’t support HTML5

አባላት ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ ንመንግስቲ ክልሎም ራሕሪሖም ናብ ክልል ኣምሓራ ምእታዎም ተገሊጹ፥ መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን ነቲ ሓበሬታ ነጺግዎ'ሎ