አባላት ቤት ምኽሪ ኣመሪካ ድሕሪ ካብ ሰራሕተኛ ፌስቡክ ዝቐረበ ክሲ ነቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ብትሪ ኾኒኖም

  • ዜና ቪኦኤ
    ገብረ ገብረመድህን

ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ውሽጢ ኩባኒያ ማሕበራዊ መራኸቢ ፌስቡክ ትሰርሕ ዝነበረት ፍራንሲስ ሃውገን ፍርያት ፌስቡክ ንመናእሰይ ይጎድኡ፣ ንዴሞክራሲ የዳኽሙ ከምኡ'ውን እታ ሃገር ብፖለቲካ ክትከፋፈል ይሕግዙ ኣለው በዚ ድማ ዘይግቡኣት ስራሓት ይስርሕ ኣለው ኢላ ድሕሪ ምኽሳሳ ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ነቲ ግዙፍ ማሕበራዊ መራኸቢ ፌስቡክ ብትሪ ነቒፎምዎ።

ኣብ ፌስቡክ ንትሕቲ ክልተ ዓመታት ናይ ፕሮጀክት ማናጀር ኮይና ዝሰርሐት ሃውገን ኢንስተግራም ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽላታት ማሕበራዊ መራኽቢ \ፕላትፎርምስ\ ኣብ ክንዲ ትሕዝቶ ኣብ ናይቲ ኩባኒያ ትርፊ ኣድሂቡ ይሰርሕ ነይሩ ክትብል ንዋና ፈፃሚ ስራሕ ፌስቡክ ማርክ ዙከርበርግ ተሓታቲ ገይራቶ ኣላ።

ንሳ ኣገልግሎት ፌስቡክ ንስዓታት ምስተቋረፀ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ ሰኔት ኮሚቴ ኮመርስ ንኡስ ኮሚቴ ሓለዋ ተጠቀምቲ(Consumer Protection ) ቀሪባ ቃል ምስክርነታ ሂባ ኣላ።

ዴሞክራትን ሪፓብሊካዊያንን ኣባላት ቤት ምኽሪ ብዙሕ ልሙድ ዘይኮነ ፖለቲካዊ ሓድነት ብምርኣው ንፌስቡክን ዙከርበርግን ብምንቃፍ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ስጡም ምቁጽጻር ክግበር ቃል ኣትዮም ኣለው።