አባላት ባይቶ ጸጥታ ዝኾነ ሃገራት ኣፍሪቃ ሰላም ናይ ምኽባር ተልእኾ ብሕብረት አፍሪቃ ክምራሕ ሓቲተን

አባላት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝኾና ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብታ ኣህጉር ዝካየድ ሰላም ናይ ምኽባር ተልእኾ ብሕብረት ኣፍሪቃ ክዕመም ዝብል ረቂቕ ምቕራበን ተገሊጹ።

እቲ ብኢትዮጵያ: ኢኳቶርያል ጊኒን ኮትደቭዋር ዝቐረበ ረቂቕ ሕቡራት ሃገራት ንነፍሲ ወከፍ ተልእኾ ብምርኣይ ሰላም ናይ ምኽባር ስርሒት ብሕብረት ኣፍሪቃ ክካየድ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ክህብ ይጽውዕ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ሕቡራት ሃገራት ኣብታ ኣህጉር ዝካየዱ ጻዕርታት ምኽባር ሰላም ዝምውል ክኸውን ከሎ ዓቓብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብ ሶማል ዘካየዶ ስርሒት እውን ዕዙዝ'ዩ።

እቲ ረቂቕ ካብ ቻይናን ፈረንሳን ደገፍ ዝረኸበ ክኸውን ከሎ ኣሜሪካ ግን ንሰላም ናይ ምኽባር ስርሒታት መዝነት ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ምትሕልላፍ ኣብቲ ግጭት ዘለዎ ከባቢ ንዝፍጸሙ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ወጻኢታት ሰላም ናይ ምኽባር ስርሒታት ክሓላልኽ ይኽእል'ዩ ዝብል ዘለዋ ስክፍታ ገሊጻ'ላ።