አቡነ ቀርሎስ ሓሙሻይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ኮይኖም ምምራጾም ተሓቢሩ

  • ተወልደ ወልደገብረኤል

ኣቡነ ቀርሎስ 5ይ ፓትሪያርክ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ኤርትራ ኮይኖም ምምራጾም ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተሩ ሓቢሩ'ሎ።

እቲ ሎሚ ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ምምራጽ ፓትሪያርክ ፥ ወከልቲ ኣብያተክርስትያናት ኣብ ዝተረኽብሉ ንስርዓት መምርሕታትን ቅዱስ ሲኖዶስ ተኸቲሉ ዝተፈጸመ ምዃኑ'ውን ጠቒሱ'ሎ።

ብዛዕባ ኩነታት'ቶም ዝጸንሑ ነባር ፓትሪያርክ ኣቡነ ኣንጠንዮስ ዝተገልጸ ነገር የለን::