ኣብ መጀመርያ ሰሙን ወርሒ ግንቦት ብምትሕብባር ፔንስልቫንያ ዩኒቨርሲቲን ማሕበረሰብ ኤርትራዊያን ኣብ ፊላደልፍያ ዝተኻየደ ንጥዕና ስነ ኣእምሮ ዝምልከት ሰሚናር ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ተኻይዱ ኔሩ።
ነቲ ሰሚናር ብተበግሶ ኤርትራዊ መንእሰይ ዶ/ር ያቆብ ተኪኤ ዝተጀመረ ኮይኑ ድሒሩ ግን ብምትሕብባር ሸውዓተ ሰብ ሞያ ስነ ኣእምሮ አባላት ካብ ፔንስልቫንያ ዩኒቨርሲቲ ዝርከብዎም ኮሚቴ ምስ ማሕበረሰብ ኤርትራዊያን ነበርቲ ክፍለ ግዝኣት ፊላደፍያ ተቓኒዑ።
ኣቐዲሙ ኣብ ወርሒ ጥሪ ተመሳሳሊ ሰሚናር ዝተኻየደ ምኳኑን ብዝተረኽበ ውጽኢት ድማ ኣብ መጻኢ ተመሳሳሊ ሰሚናር ንመንእሰያትን ወለድን በብግዚኡ ኣብ ምዱብ ጊዜ ከካይዱ ውጥን ከምዘሎ ዶ/ር ያቆብ ይገልጽ።
ዳይሬክተር እቲ ካብ ዩኒቨርሲቲ ፔንስልቫንያ ዝተዋጽኣ ኮሚቴ ሲንትያ ቦይድ ብዛዕባ’ቲ ሰሚናር ከምዚ ትብል።
“ኣብዚ ናይ ዩኒቨርሲቲ ፔንሲልቫንያ ክፍሊ ስነ ኣእምሮ ኣገልግሎትን ምኽሪን ማሕበራዊ ፍትሒ ንኹሉ ዝብል መርገጺ ዝተመስረተ’ዩ።ስለዚ ኹሉ ማሕበረሰብ ማዕረ ዝኾነ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክረኽብ ኣለዎ ዝብል መምርሒ ኣለና። ስለዝኾነ ነቲ ናይ ያቆብ ተበግሶ ምስ ዕላማናን ራእይና ዝኸይድ ኮይና ስለዝረኸብናዮ ክንድግፎ ወሲንና። ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ሕብረተሰብ ኣብዚ ዓውዲ ዘድልዮ ነገር ኣብ ምልላይ ኢና ዘለና ቀጺልና ድማ ኣብ ስነ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ኣገልግሎት ንምሃብ ምስቲ ሕብረተሰብ ብከመይ መንገዲ ንተሓባበር ኣብ ዝብል’ውን ንሰርሕ ኣለና። ካብዚ ተበጊስና ድማ ንመጻኢ ኣብ ምንታይ ንሰርሕ ክንርእይ ኢና።”
ካልእ ካብ ተሳተፍቲ ሓደ ዝኾነን አባል ኤርትራዊያን ነበርቲ ፊላደልፍያ ዝኾነን መንእሰይ ኤፍሬም አማረ ስዮም ካብቲ ሰሚናር ትኹረት ብዙሓት ዝሰሓበ ጉዳይ ዝበሎ ከምዚ ክብል ይገልጽ።
“ ኣብቲ ሰሚናር ዝተገልጸ በዚ ስነ ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ዘጋጠሞም ሰባት ዝምልከት ዝተወሃበ መጽናዕታዊ ኣሃዝ ንብዙሓት ዘሰንበደ’ዩ ኔሩ። ሰባት እቲ ጉዳይ ከምዘሎ ይፈልጡ’ኳ እንተኾነ ዝርግሓኡ ግን ዝተረድእዎ ኣይመስለንን። ምክንያቱ ስነ ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ኣብ ማህበረሰብና ተሓቢኡ ወይ ድም ከም አሉታዊ ነገር ተኸዊሉ ዝሓልፍ ጉዳይ እዩ። ብፍላይ እቲ እንዳዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ጉዳይ ነፍሰ ቅትለት ዝምልከት’ዩ ፡ ሰባት ኣፍልጦ ስነ ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ እንተለዎም ግን ብጥልቀትን ብነጻን ኣብ ምዝርራብን ግን ድሩታት’ዮም ኔሮም” ክብል ርእይትኡን ትዕዝብቱን ገሊጹ’ሎ።
ብዛዕባ’ቲ ሰሚናር፡ተሳትፎ መንእሰያትን ብዛዕባ ዝተፈላለየ ምልክታት ስነ ኣእምሮኣዊ ጸቕጢን ሰባት ክፈልጥዎ ይግባእ ዝበሎ ነጥብታትን እውን ዶ/ር ያቆብ መብርሂ ይህብ።
Your browser doesn’t support HTML5