▶ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ኣገልግሎት ጀሚሩ

Your browser doesn’t support HTML5

ንዓመትን ሸሞንተ ኣዋርሕን ኣብ ክልል ትግራይ ኣቋሪጹ ዝነበረ ኣገልግሎት ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ ሎሚ ሰሉስ 7 የካቲት 2023 ጀሚሩ። እዚ ኣብ መቐለን ካልኦት 31 ጨናፍራትን እቲ ክልል ጀሚሩ ዘሎ ስራሕ፡ ነቲ ኣብቲ ክልል ኣጓኒፉ ዝጸንሐ ከቢድ ሕጽረት ገንዘብ ኣብ ምቅላል ዓቢ ተራ ከም ዘለዎ ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ መቐለ ሓቢሮም።