ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ኣገልግሎት ጀሚሩ

Your browser doesn’t support HTML5

▶ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ኣገልግሎት ጀሚሩ

ንዓመትን ሸሞንተ ኣዋርሕን ኣብ ክልል ትግራይ ኣቋሪጹ ዝነበረ ኣገልግሎት ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ ሎሚ ሰሉስ 7 የካቲት 2023 ጀሚሩ። እዚ ኣብ መቐለን ካልኦት 31 ጨናፍራትን እቲ ክልል ጀሚሩ ዘሎ ስራሕ፡ ነቲ ኣብቲ ክልል ኣጓኒፉ ዝጸንሐ ከቢድ ሕጽረት ገንዘብ ኣብ ምቅላል ዓቢ ተራ ከም ዘለዎ ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ መቐለ ሓቢሮም።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መቐለ ስራሕ ጀሚረን ብምኽንያት ሕጽረት ገንዘብ ስራሓተን ኣቋሪጸን ዝነበራ ናይ ውልቂ ባንክታት’ውን ዳግም ምኽፋተን'ውን ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብቲ ቦታ ጸብጺቡ።