ንሰላም ክልል ኦሮምያ ልዝብ ክካየድ ጻውዒት ቐሪቡ

ኣብ ክልል ኦሮምያ ዘሎ ዘይምርግጋእ ሰላማዊ ፍታሕ ክረክብ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ማሕበረሰብ ተወላዶ ኦሮሞን ሲቪል ማሕበራትን ኣብ ዘውጽእዎ ቅሉዕ ደብዳበ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ናይ ኦሮሞ ናይ ውርሲ ማሕበር ብምባል ዝጽዋዕ ጉጅለ ትማሊ ሓሙስ ወግዓዊ ዝገበሮ ምድላውን ናብ ድምጺ ኣመሪካ ዝለኣኾ ቅሉዕ ደብዳበ እቲ ማሕበር ባዕሉ ዝርከቦ ሲቪል ማሕበራት ነቲ ደብዳበ ናብ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ: ፕረዚደንት ክልል ኦሮምያ ሽመልስ ኣብዲሳን ኣዛዚ ናጽነት ኦሮሞ ንዝበሎ ኩምሳ ድርባ ወይም ጃል ማሮ ዝቐንዐ'ዩ።

"ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰላማዊያን ተወላዶ ኦሮሞ ተቐቲሎም: ተኣስሮም: ስቅያት በጺሕዎም: ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ካብ መንበሪኦም ተፈናቂሎም" ዝበለ እቲ መግለጺ ኣብ ቀረባ ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርትያን ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ክፍተት ነዚ ሓደገኛ ዝበሎ ኩነታት ዘጋድ ድ ከይከውን ዘለዎ ስግኣት'ውን እቲ ደብዳበ ይገልጽ።

ህዝቢ ኦሮሞ ህወከት ኣጋጢምዎ'ሎ ዝበለ ቅሉዕ ደብዳበ፥ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ናብ ናይ ልዝብ መድረኽ ክቐርቡ ኣለዎም ኢሉ ማሕበረሰብ ዳያስፖራ ኦሮሞ ከምዝኣምንን ነቲ ግጭት ድማ ሰላማዊ ፍታሕ ከናድዩ ኣተሓሳሲቡ'ሎ።

እቲ ልዝብ ሰላም ብሕብረት ኣፍሪቃ እንተተመሪሑ ድማ ዕውት ክኸውን ይኽእል'ዩ ኢሎም ከምዝኣምኑ ዝገለጸ ቅሉዕ ደብዳበ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ድማ ድጋፉ ክህብ ጸዊዑ'ሎ።

ኣብቲ ደብዳበ ዝተገለጹ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮምያ ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ምላሽ ንምርካብ ንሰርሕ ምሕላውና ክንሕብር ንፈትው