“ንምንስሓብ ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዘተስፉ ስጕምቲ’ዩ” ወሃብ-ቃል ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ

  • ዜና ቪኦኤ

ወሃብ-ቃል ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነድ ፕራይስ

ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝነበረ ስሩዕ ጋዜጣዊ መግለጺ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ወሃብ-ቃል’ቲ ክፍሊ ነድ ፕራይስ ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ምዕባለታት ተሓቲቱ ነይሩ። “ብመገዲ ኣምባሳድር ጀፈሪ ፈልትማን ንሽምግልና ተቐናንቐንቲ ወገናት ዝገብር ጻዕሪ እንታይ ውጽኢት ሂቡ፧ እዚ ኣብ ባይታ ዘካየድ ዘሎ ምዕባለታት’ከ ኣብ ግምታት ዋሺንግተን ዝነበረ ዲዩ፧" ዝብል ሕቶ ጋዜጠኛታት፥ ፕራይስ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕን ተጻብኦታት ንምውጋድን ብወገን ምምሕዳሮም ቀጻሊ ስራሓት ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ እቲ ወሃብ-ቃል “ኣመሪካ ብምይይጥን ዘተን እምበር ብወታሃደራዊ ሓይሊ ዝፍታሕ ግጭት ዘይምዃኑ’ዩ ትኣምን” ድሕሪ ምባል፡ ስእነት ጸጥታ ኢትዮጵያ ድማ ነቲ ከባቢ ብሕማቕ ክጸልዎ ከም ምዃኑ ገሊጹ። ፕራይስ ኣብ መግለጺኡ፡ ምስሓብ ሰራዊት ትግራይ ካብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ብጽቡቕ ከም ዝርእዩዎን ደጋጊሞም ክጽውዑዎ ዝጸንሑን ምዃኑ ኣመልኪቱ።

ምስሓብ ሰራዊት ትግራይ ካብ ጎረባብቲ ክልላት ድማ ንዘተን ሰላማዊ ዕርቂ ባይታ ዝኸፍት ክኸውን ተስፋ ከም ዘለዎ ድሕሪ ምግላጽ: እቲ ወሃብ-ቃል ጸቒጡ ዝጠቐሶ ግን ንዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ማዕጾ ምኽፋትን ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ዜጋታት ዝግበር በደላት ደው ክብል ምግባርን’ዩ ኢሉ።