ንመዓልታት ኣብ ወደብ ሲሲሊ ዝጸንሑ ስደተኛታት መዕቆቢ ስደተኛታት ሮካ ዲ ፓፓ ምእታዎም ተገሊጹ

ንሽዱሽተ መዓልታት ኣብ ወደባት ሲሲሊ ዝጸንሑ ኣስታት 100 ዝኾኑ ስደተኛታት ትማሊ ሶሉስ ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ሮካ ዲ ፓፓ ምእታዎም ተገሊጹ።

እቶም ስደተኛታት ኣብቲ መዕቆቢ’ቲ ስደተኛታት ኣብ ዝበጽሕሉ እዋን ንምምጻእ እቶም ስደተኛታት ብዝቓወሙን ዝድግፉን ወገናት ሰልፊ ምክያዱ ተገሊጹ’ሎ።

Your browser doesn’t support HTML5

ንመዓልታት ኣብ ወደብ ሲሲሊ ዝጸንሑ ስደተኛታት መዕቆቢ ስደተኛታት ሮካ ዲ ፓፓ ምእታዎም ተገሊጹ

ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ካህናት፡ ኣልባንያን ኣየርላንድን ነቶም ኣብ ወደባት ኢጣልያ ዝጸንሑ 140 ስደተኛታት ከምዝቕበልዎም ድሕሪ ምፍላጦም ኢጣልያ ነቶም ስደተኛታት ክራገፉ ምፍቓዳ ይፍለጥ።

መብዛሕትኦም እዞም ስደተኛታት ካብ ኤርትራ ዝመጹ ክኮኑ ከለው ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ሮካ ደ ፓፓ ንቁሩብ መዓልታት ጸኒሖም ናብ ካልኦት ቦታታት ከምዝጣየሱ ተገሊጹ’ሎ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብቲ መዕቆቢ ካብ ኤርትራ፡ናይጀርያን ሶርያን ዝመጹ 270 ስደተኛታት ከምዝርከቡ ብተወሳኺ ተገሊጹ።

ኣብ ርእሲ'ዚ ንምርኣይ ኢጣልያ: ንሓሙሽተ መዓልታት ኣብ ወደብ ካታንያ ዝጸንሑ ስደተኛታት ክራገፉ ኣፍቒዳ

ኣብ ርእሲ'ዚ ንምርኣይ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ኢጣልያ ኣብ ወደብ ካታንያ ንዘለው 177 ስደተኛታት ክትቕበል ጸዊዑ