ናይጀርያ፡ ዕጡቓት ሚልሽያ ኣስታት 900 ትሕቲ ዕድመ ህጻናት አባላቱ ናጻ ለቒቁ

  • ዜና ቪኦኤ
    ገብረ ገብረመድህን

ፋይል

ትካል ህፃናት ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ) ኣብ ናይጀሪያ ከባቢያዊ ጉጅለ ሚሊሺያ ንቆልዑት ምምልማልን ምጥቓምን ከብቅዕን ክከላኸልን ብዘለዎ ቅሩብነት ንኣስታት 900 ቆልዑት ናጻ ምልቃቑ ሎሚ ዓርቢ ኣፍሊጡ።

ትካል ህፃናት ሕቡራት ሃገራት ሎሚ ዓርቢ ኣብ ጄኔቭ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ ናይ ስቪል ሓባራዊ ግብረ ሓይሊ ኣብ ሰሜን ምብራቕ ከተማ ማይዱግሪ ን894 ቆልዑት ምስዳዱ ኣፍሊጡ።

እቲ ግብረ ሓይሊ ማሕበረሰባት ሰሜን ምዕራብ ናይጀርያ ካብ መጥቓዕትታት እስላማዊ ጥሩፍ ጉጅለ ቦኮ ሓራም ንምክልኻል ኣብ 2013 ብኣሜሪካ ብዝምራሕ ጥምረት ዝተመስረተ እዩ።

ወሃቢ ቃል እቲ ትካል ክሪስቶፍ ቦውሊየራስ እቶም መናእሰይ ናብ ስቪላዊ ህይወት ክሰጋገሩ ሓገዝ የድልዮም እዩ ኢሎም።

“ሎሚ ነጻ ዝወፁ ቆልዑን መናእሰይን ተጠቀምቲ ፕሮግራም ሓገዝ ናብ ስቪላዊ ናብራ መሊስካ ምፅንባር ክኾኑ እዮም።ንናይ ባዕሎም ምዕባለ ዝጠቕሞም ሓደሽቲ ዕድላት ክፈጥረሎም እዩ።ብዘይካ እዚ ሓገዝ እዚ መብዛሕቲኦም ካብቶም ዕጡቓት ጉጅለታት ዝተፈትሑ ቆልዑት ዘይተማሃሩን ናይ ሞያ ክእለታት እውን ዘይብሎምን ብምዃኖም ስቪላዊ ህይወቶም ኣብ ምምራሕ ክፅገሙ እዮም።”

ዕጡቓት ጉጅለታት ነቶም ቆልዑ ንሰራዊትን ካልእ ኣገልግሎትን ይጥቀምዎም ከምዝነበሩን ሞት፣ቅትለትን ናዕብን እውን ብዓይኖም ዝረኣዩን እዮም።

በቲ ዳግም ናብ ማሕበረሰብ ናይ ምሕዋስ ፕሮግራም እቶም መናእሰይ ሓገዝ ትምህርትን ሞያዊ ስልጠናን ክረኽቡ እዮም።

ቦኮ ሓራም ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይጀሪያ ጥቡቕ እስላማዊ ሕጊ ንምምስራት ንኣሽሓት ቆልዑ ብምምልማል ንዓመታት ዓመፅ ከካይድ ፀኒሑ እዩ።

ብመሰረት ሓበሬታ ዩኒሴፍ ኣብ መንጎ 2013ን 2017 ዘሎ እዋን ልዕሊ 3,500 ቆልዑ ብዕጡቓት ተቓወምቲ ጉጅለታት ተመልሚሎምን ኣብ ግጭት ምስታፎም ካልኦት ቆልዑት ድማ ተቐቲሎም፣ተዓሚፆም፣ኣካሎም ተቖሪፁን ተጨውዮምን እዮም።