ናይጀሪያ ክልከላ ትዊተር ከተልዕል ምዃና ተአንፍት

ሓደ ውልቀሰብ ኣብ ከተማ ሌጎስ ናይጀርያ ትዊተር እንዳተጠቀመ ዝተወስደ ምስሊ

ሚኒስተር ዜና ናይጀሪያ ላይ መሓመድ ብረቡዕ ንጋዜጠታት ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፡ ናብ ትስፉዎ ዝምድና የመርሑ ስለ ዘለዉ፡ ኣብ ልዕሊ ትዊተር ዝጸንሐ እገዳ ክልዓል ምዃኑ ግምታት ሂቦም።

ወሃቢት ቃል ትዊተር ምስ መንግስቲ ናይጀሪያ ዝርርብ ከም ዘካየዱ ጠቒሳ ኣላ። ኣስዒባ ወሃቢት ቃል ሳራ ሃርት ብመልእኽቲ ኢመይል ዝሰደደቶ ጽሑፍ፡ “ዕላማና፡ ትዊተር ኣብ ናይጀሪያ ዳግም ዝኽፈተሉን ዜጋታት ብማዕረ ዝጥቀሙሉን መገዲ ምንዳይን’ዩ፡” ትብል።

ትዊተር ካብ 4 ሰነ ኣትሒዙ፡ ድሕሪ ጽሑፍ ፕረዚደንት እታ ሃገር ድሕሪ ምድሳሱ፡ ኣብ ናይጀሪያ ክልኩል’ዩ ጸኒሑ። ፕረዚደንት መሓመድ ቡሃሪ፡ ነቶም ንምፍንጫል ዝዋግኡ ወገናት “በቲ ንሳቶም ዝርድኦም ቋንቋ” ክንምልሰሎም ኢና ኢሎም ነይሮም። ትዊተር ቋንቋ’ቶም ፕረዚደንት ንጎንጺ ዝዕድም ብምባል’ዮም ከልኪሎሞ ጸኒሖም።

ዋላ’ኳ ሰበ-ስልጣን ናይጀሪያ ምኽልካል ትዊተር ኣብታ ሃገር ምስ ምድምሳስ መልእኽቲ ፕረዚደንት ዝተሓሓዝ ዘይምዃኑ ደኣ ይግለጹ እምበር፡ እቲ ውሳነ ካብ ናይጀሪያውያን ከቢድ ነቕፌታ ኣስዒቡ’ዩ።

ንምዕጻው ትዊተር ኣብታ ሃገር ኣመልኪቱ መንግስቲ ኣመሪካ፡ “ኣብ ደሞክራሲ ቦታ የብሉን” ክብሎ እንከሎ፡ ትካል ኣምነስት ኢንተርናሽናል ድማ፡ “ነቶም ናይጀሪያ ዝፈረመትሎም ኣህጉራውያን ውዕላት ዝጻረሩ” ክብል ነቒፉ ነይሩ።

ሓያሎ ናይጀራውያን ነቲ ብመንግስቲ ዝተስገደደ ክልከላ ብምቅዋም፡ ብመገዲ ኢደ-ዙር (VPN) ምጥቃም ክቕጽሉ እንከለዉ፡ ፈደራላዊ ቤት-ፍርዲ እታ ሃገር ድማ እቶም ትዊተር ክጥቀሙ ዝተረኽቡ ዜጋታት ከይቅጽዑ መምርሒ ኣውጺኡ ነይሩ።