ናይ ካልኣይ ደረጃ መልቀቒ ፈተና ኣብ መላእ ኤርትራ ይወሃብ ኣሎ

ናይ ካልኣይ ደረጃ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና( ማትሪክ) ሎሚ 18 መጋቢት ኣብ መላእ ኤርትራ ክወሃብ ጀሚሩ።



ሎሚ ዓመት ብደረጃ ሃገር 14,960 ተማሃሮ ይፍተኑ ከምዘለዉን ካብዚኦም እተን 7,149 ደቂ ኣንስትዮ ከምዝኾናን ዝሓበረ ቤት ጽሕፈት ማእከል ፈተና ሃገራዊ ኢንስቲትዩት ላዕለዎት ትምህርትን ምርምርን ኤርትራ ሓቢሩ። እቲ ቤት ጽሕፈት ብተወሳኺ ኣብ ርያድን ጅዳን ስዑዲ ዓረብ ንዝመሃሩ ኤርትራውያን ክወሃብ ተመዲቡ ዝነበረ ፈተና ብሰንኪ ተላባዒ ሕማም ኮረና ቫይረስ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ኣብያተ ትምህርቲ ክዕጸዋ ብምውሳኑ ክወሃብ ከምዘይተኻእለ ኣፍሊጡ’ ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ናይ ካልኣይ ደረጃ መልቀቒ ፈተና ኣብ መላእ ኤርትራ ይወሃብ ኣሎ