ናይ ኣዲስ ኣበባ ቤት ምኽሪ በዓል ሕድሪ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ኣካል ድሕሪ ፅባሕ ሰንበት ላማዊ ሰልፊ ምፅውዑ ኣፍሊጡ

  • ገብረ ገብረመድህን
    መለስካቸው ኣምሃ

ኣዲስ ኣበባ

ናይ ኣዲስ ኣበባ ቤት ምኽሪ በዓል ሕድሪ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ኣካል ድሕሪ ፅባሕ ሰንበት 2 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሰላማዊ ሰልፊ ምፅውዑ ሎሚ ዓርቢ ኣብዝሃቦ ጋዜጣዊ መገልፂ ኣፍሊጡ።

ናይቲ ቤት ምኽሪ መግለፂ ብዙሕ ዋጋ ዝተኸፍሎ ናይ ዲሞክራስን ፍትሕን ሕቶታት ኣብ ውሽጢ ገዛኢ ፓርትን ካብ ገዛኢ ፓርቲ ወፃኢ ብዘለውን ፅንፈኛታት ምጥላፉ ንምቅዋምን ገዛኢ ፓርቲ ኣካይድኡ ብቕልጡፍ ከሰተኻኽልን ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ምፅውዑ ይሕብር።

ብ ኣተሓሳስብኦምን ፖለቲካዊ እምነቶምን ዝተኣስሩ ከምዘለው ብምሕባር እዞም እሱራት እዚኦም ብቕልጡፍ ክፍትሑን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣዲስ ኣበባ ፍሉይ ረብሓ ኣለና ዝብሉ ጉጅለታትን ውልቀሰባትን ንምቅዋምን ኩሎም ኢትዮጵያዊያን ማዕረ መሰል ከምዘለዎም ንምትሕስሳብን ካብ ዕላማታት ናይቲ ሰልፊ ገሊኦም ምዃኖም ይሕብር።

እቲ ቤት ምኽሪ መግልፂ ይህብ ኣብዘነበረሉ እዋን ካብ ቀፅሪ እቲ ቤት ፅሕፈት ወፅእ ኢሉ ኦሮምኛ ዝዛረቡ መናእሰይ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ እናስምዑ ንምርባሽ ፈተነ ክገብሩ ይርኣዩ ከምዝንበሩን ፖሊስ እውን ኣብቲ ከባቢ ተዋፊሩ ከምዝነበረን ተፈሊጡ’ሎ።

መራሒ ናይቲ ቤት ምኽሪ ኣቶ እስክንድር ነጋ እቶም ዝቃወሙ ዘለው ሓሳቦም ናይ ምግላፅ መሰል ኣለዎም፣ከምኡ ምግባሮም ቅሬታ የብልናን ብስርዓት ክኸውን ጥራሕ ኢና ንደልዮ ክብል መሊሱ’ሎ።መራኸቢ ብዙሃንን ማሕበራዊ ሚዲያን ግጭት ካብ ዘለዓዕሉ ፀብፃባት ካብ ምሕላፍ ክዕቀቡ ነቲ ሰልፊ ዝፅውዑ ወገናት ምሕፅንታ ኣቕሪቦም ኣለው ።