ናይ ኢትዮጵያ ምርጫ መረጽቲ ድምጾም ብናጽነት ዝሃብሉ'ዩ ክብል ሓደ ጉጅለ ተዓዘብቲ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣፍሊጡ

ናይ ኢትዮጵያ ምርጫ፣ መረጽቲ ድምጾም ብናጽነት ዝሃብሉ እዩ ክብል ተጠባባቂ ሓይሊ ጉጅለ ተዓዘብቲ ምብራቅ ኣፍሪቃ ኣፍሊጡ።

እቲ ጉጅለ ኣብ ዝዘርገሖ ቅድመ ሪፖርት "መብዛሕተኦም ነቁጣታት ምርጫ፣ ሰላማዊን ዝተረጋግአን መስርሕ ነይርዎም" ይብል።

እቲ 28 ኣባላት ዝሓቆፈ ጉጀለ ተዓዘብቲ ንኣባላቱ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት’ታ ሃገር ከምዘዋፈረ ጠቂሱ: ኣብ ክልላት ኣምሓራ፣ ኦሮምያ፣ ዓፋር፣ ሲዳማ፣ ደቡብ ከምኡ'ውን ኣብ ድሬዳዋን አዲስ አበባን ነቲ ምርጫከምዝተዓዘበ ኣፍሊጡ ኣሎ።

መራሒ’ቲ ጉጅለ ኣምባሳደር ኦሌድ ዓሊ "እቶም ተዓዘብቲ ኣብ ዝራኣዩወን ከባቢታት፣ መረጽቲ ብናጽነትን ብዝሃድአን ኩነታት ድምጾም ሂቦም፣ እቶም ተዓዘብቲ ቅድሚ ምኽፋት ነቁጣታት፣ ኣብ እዋን ምርጫ፣ ድሕረ ምርጫን መስርሕ ምቁጻር ድምጺን ከምዝተዓዘቡ" ገሊጾም።

190 ነቁጣታት ምርጫ ከምዝተዓዘቡ ዝገለጹ ኣምባሳደር ኦሌድ፣ 19 ነቁጣታት ብሰንኪ ቀረባት ኣብ እዋኑ ዘይምብጻሕ ደንጉዮም ከምዝተኸፈቱ ተመልኪቱ ኣሎ’ኢሎም።

ተራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ተዓዘብቲን መረጽቲን ጎሊሁ ከምዝተራኣየ፣ ኣብ ትግባረ መምርሒ ኮቪድ 19 ጸገማት ይራኣዩ ነይሮም፣ ብሓፈሽኡ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ፣ ሰላማዊ፣ ህዱእን ብናጽነት ዝተሳለጠን እዩ ኢሎም።