ናይ ሕ/ሃ ኤጀንሲ ኑክሌር ናብ ትካል ኑክሌር ዩክሬን ክብጽሕ ዳግማይ ሓቲቱ

  • ተወልደ ወልደገብረኤል
    ዜና ቪኦኤ

ኣብ ዩክሬን ዘሎ ትካል ኑክሌር

ናይ ሕቡራት ሃገራት ምቁጽጻር ኣቶሚክ ኤነርጂ፡ ኣብ ዩክሬን ዘሎ ትካል ኑክሌር ውሕስነቱ ክግምግም ትማሊ ዳግም ሓቲቱ`ሎ።

እቲ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ዩክሬን ዝርከብ ትካል ሓይሊ ኑክሌር ኣብ ኤውሮጳ ዝዓበየ ኮይኑ፡ ሩስያን ዩክሬንን ኣብቲ ትካል መጥቃዕቲ ብምክያድ ነንሕድሕደን ይካሰሳ`ለዋ። እዚ ኑክሌራዊ ቕዝፈት ከየስዕብ መጠንቀቕታ ተዋሂቡ`ሎ።

ዳይሬክተር ኣቶሚክ ኤነርጂ ሕቡራት ሃገራት ራፋኤል ግሮሲ፡ ሓደ ጉጅለ መርማሪ ናብቲ ዛፖሪዚሃ ዝብሃል መደበር ኑክሌር ክበጽሕ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቶ ሕቡራት ሃገራት ኣቕሪቡ`ሎ።