“ናይ ህላወ ቃልሲ:” ንዂናት ክልል ትግራይ ዝዝውር ዘሎ ሓድሽ ምዕራፍ ዓሌታዊ ምፍጣጥ

Your browser doesn’t support HTML5

ኣሰፋው ኣበራ፡ ቅድሚ ሰላሳ ዓመታት ኣቢሉ፡ ካብ መንበሪ ገዛኡ ምስ ወጸ፡ንሱዳን’ዩ ኣምሪሑ። ነቲ ዘይምቹእ ቦታ ብእግሩ ኣብ ዝጓዓዘሉ ዝነበረ እዋን ድማ ወታሃደራትን ተቓወምቲ ትግራይ ካብኡ ብዙሕ ኣብ ዘይረሓቐ ቦታታት ይዋግኡ ነይሮም። ተወላዲ ብሄረ ኣምሓራ ዝኾነ ኣሰፋው፡ ንዓዱ ዝምለሰሉ እዋን ካብ ምምዕዳው ደኣ ኣየዕርፍ እምበር፡ ንሰላሳ ዓመታት ዝኸውን ኣብ ካርቱም ኣብ ስራሓት ጽሬትን ካልእ ዕለታዊ ሸቕሊን’ዩ ክነጥፍ ጸኒሑ።