ዋሽንግተን —
ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ ናንሲ ፐሎሲ ንልኡኽ ኮንግረስ ብምምራሕ ንናይ ኽልተ መዓልታት ዑደት ሎሚ ሰኑይ ሲንጋፖር ምብፅሐን ተፈሊጡ።እቲ ናይ ኤስያ ዑደተን ኣብ ታይዋን ምብፃሕ ክሓውስ እዩ ዝብል ግምት ኣሎ።
ፐሎሲ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ሲንጋፖር ሊ ሂሰይን ሉንን ፕሬዝዳንት ሓሊማ ያኮብን ተራኺበን ኣለዋ።
ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ሲንጋፖር ፐሎሲ ምስ ካልኦት ሰበስልጣን እውን ክራኸባ እየን ኢሉ ኣሎ።
ፐሎሲ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝዘርግሕኦ መግለፂ ካልኦት ሓሙሽተ ዴሞክራት ኣባላት ኮንግረስ ንዝሓቖፈ ልኡኽ ብምምራሕ ‘’ኣብቲ ዞባ ንዘለው መሻርኽትታትን መሓዙትናን ብርቱዕን ፅኑዕን ድልውነት ኣመሪካ ንምርግጋጽ" ናብ ኤስያ ይጉዓዛ ከምዘለዋ ሓቢረን።
ናይ ቻይና ተቓውሞ ዕሽሽ ብምባል ኣብ ታይዋይ ክበፅሓ እንተኾይነን ግን ፐሎሲ ኣይጠቐሳን። ማለዥያ፣ደቡብ ኮሪያን ጃፓንን ልኡኻት ኣመሪካ ዑደት ካብ ዝገብሩለን ሃገራት ገሊአን እየን።