ናብ ዳባት ዝገዓዙ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ሕጂ'ውን ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት ከምዘለው ይገልጹ
Your browser doesn’t support HTML5
ብሰንኪ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኣጸጋሚ ኩነታት፡ ካብተን ኣብኡ ዝነበራን ዘለዋን መዓስከራት ኤርትራውያን ስደተኛታት ሃዲሞም፡ ኣብ ዳባት ዝብሃል ቦታ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝተመስረተ ሓዲሽ መዓስከር ተዓቑቦም ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ "ኣብዚውን ኣይጠዓመናን፡ ወይ መሰልና ሓልዉልና ወይ ንዓድና ምለሱና" ብዝብል ዝሓለፈ ሰሙን ሰልፊ ወጺኦም ኔሮም። ንሳቶም፡ ካብ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያን ትኹረት ከምዝሰኣኑ ንመዓስከር ተዛሪቦም ኣለዉ።