ናብ ሃገሮም ዝኣትዉ ዘለዉ ኢትዮጵያዊያን ብተወሳኺ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት'ውን ናብ ኢትዮጵያ ይኣትዉ ምህላዎም ተገሊጹ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ንዘቕረቡዎ መጸዋዕታ ተቐቢሎም ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ'ውን ናብ ኢትዮጵያ ክኣትዉ ምጅማሮን ዳያስፖራ ኢትዮጵያውያን'ዉን ምእታዎም ቀጺሎም'ለዉ።

ሎም መዓልቲ ነቲ መጸዋዕታ ዝተቀበሉ ውልቀ ሰባት ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኣተዉ ክኾኑ ኸለዉ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያን ዳያስፖራ'ውን ብብዝሒ ናብ ኢትዮጵያ ምእታዎም ቀጺሎም'ለዉ።

ካብ መንጎ እቶም ዝኣተዉ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ኣብ ማሕበረሰባዊ ንጥፈታት ዝነጥፍን ንምስፋን ማሕበራዊ ፍትሒን ፓን ኣፍሪካንዚም ብምስጓም ዝፍለጥ መንእሰይ ታንታ ላክሰንን ጉጅለኡን ይርከብዎም። ታንታ ላክሰን ናብ ኢትዮጵያ ዝመጸሉ ምኽንያት ነቲ መንእሰይ ንምንቃሕ እዩ ክብል ንሪፖርተር ድምጺ ኣመሪካ ካብ ኣዲስ ኣበባ ገሊጹ'ሎ።

ሎሚ ኣዲስ ኣበባ ካብ መንጎ ዝኣተዉ ዳያስፖራ ኢትዮጵያውያን ካብ ዋሽንግቶን ዲሲ ዝኸዱ ከምዝርከብዎምን ኣብ ቦሌ መዕርፎ ነፈርቲ ተረኺቦም ዝተቀበልዎም ኸኣ ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝመጹ ምንባሮም ተሓቢሩ'ሎ።