ነበርቲ ገለ ከባቢታት ክልል ዓፈር ብሰንኪ መጥቓዕቲ ሓይልታት ትግራይ ሃለዋት 150 ሽሕ ሰባት ከምዝጠፍኦም ሓቢሮም

ፋይል

ነበርቲ ገለ ከባቢታት ዓፋር፣ ብሰንኪ ሓይልታት ትግራይ ፈንዮምዎ ዝተባህለ መጥቃዕቲ፣ ደሃይ ልዕሊ 150 ሽሕ ሰባት ጠፊኡና ኣሎ ከምዝበሉ ተፈሊጡ።

ክልላዊ መንግስቲ ዓፋር ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ድማ "ሓይልታት ትግራይ፣ ንመራኸት መስመር ጂቡቲ ዝኾነት ከተማ ሰርዶ ንምቁጽጻር፣ ብወገን ኪልበቲ ረሱ ውግእ ከፊቶም" ከምዝበለ እቲ ዜና ይሕብር።

እቲ መግለጺ ወሲኹ "ሓይልታት ትግራይ፣ ኣብ ልዕሊ ሓሙሽተ ወረዳታትን ሓደ ምምሕዳር ከተማን፣ ብዝኸፈትዎ መጥቃዕቲ፣ ልዕሊ 300 ሽሕ ሰባት ከምዝተፈናቀሉ" ሓቢሩ።

ክልል ትግራይ ኣብ’ዚ ቀረባ ኣብ ዝዘርገሖ መገልጺ ብወገን ዓፋር ሓሊፉ ናብ ትግራይ ንዝኣቱ ረድኤት ንከይሓልፍ ይግበር አሎ ብምባል ከምዝኮነነን፣ ኣብ ልዕሊ ክልል ዓፋር መጥቓዕቲ ምፍናው ከምዘረጋገጸ ዝዝከር እዩ።

ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኔድ ፕራይስ "ኣብ ክልል ዓፋር ዝተወለዐ ውግእ፣ ንኣመሪካ የሻቅላ እዩ' ከምዝበለ ዝዝከር እዩ ።