ኢትዮጵያ:ነበርቲ ዞባ ጉጂ በቲ መንግስቲ ኦነግ ሸኔ ዝብሎም ዕጡቓት መጥቓዕቲ የጋጥሞም ምህላው ሓቢሮም

ክልል ኦሮምያ- ኢትዮጵያ

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ጉጂ ወረዳ ገላና፡ ነበርቲ፡ በቲ መንግስቲ ኦነግ ሸኔ ኢሉ ዝጽውዖም ዕጡቓት ዝወርዶም መጥቃዕቲ ገዲዱ ምቕጻሉ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።

እቶም ንባዕሎም ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኢሎም ዝጽውዑ ዕጡቓት፡ ከብቶምን ከም ጠበናጁ ዝበለ ንብረቶምን ይዘርፍዎም ከምዘለዉን ድሕነቶም ኣብ ስግኣት ከምዝወደቑን እቶም ነበርቲ ይገልጹ።

ምምሕዳር`ቲ ወረዳ ብወገኑ፡ በቲ ዝወርድ ዘሎ መጥቃዕቲ ህይወት ሰብ ምሕላፉን ዜጋታት ምፍንቓሎምን ድሕሪ ምጥቃስ፡ ክልልን መንግስትን ተወሳኺ ሓይሊ ኣዋፊሩ ስጉምቲ እንተዘይወሲድሎም እቲ ኩነታት ኣሸጋሪ ከምዝኸውን ኣፍሊጡ`ሎ።

ብኻልእ ወገን ፍሉይ ሓይሊ ኦሮሚያን ፖሊስን ከምኡ`ውን ሰራዊት ምክልኻል ብምውህሃድ ብዘካየድዎ ኦፐረሽን፡ 17 ዕጡቓት ሸኔ ክማረኹ ኸለዉ 49 ድማ ምትሓዞም ንኮሚሽን ፖሊስ ኦሮሚያ ብምጥቃስ ሓደ ቴሌቭዥን'ቲ ዞባ ሓቢሩ።