ነበርቲ ኣብ ዞባ ጉራጌ ዝተኻለሉ 9 ጣብያታት ዝሓተትናዮ ሕቶ ምላሽ ኣይረኸበን ክብሉ ይከሱ

  • ገብረ ገብረመድህን
    ዜና ቪኦኤ

ከተማ ሃዋሳ

ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ጉራጌ ፍሉይ ወረዳ ብሄረሰብ ማረቆ ብሓይሊ ዝተኸለሉ ትሽዓተ ጣቢያታት ኣብ ውሽጢ ወረዳ ማረቆ ክመሓደሩ ንዝሓተቱዎ ሕቶ ምላሽ ኣይረኸበን ክብሉ ንቤት ፅሕፈት ርእሰ ምምሕዳር ጥርዓኖም ኣቕሪቦም።

ነበርቲ ሕቶ ህዝቢ ብግቡእ ስለዘይምለስን ፖለቲካዊ ተፅዕኖ ስለግበርን ንገልታዕታዕ ምቕልዖምን ገሊፆም።እቲ ሕቶ ስዒቡ ኣብ ማሕበረሰብ ወረዳ ማረቆን መስቃን ዝተፈጥረ ግጭት ብዕርቂ ንምፍታሕ ዝተገበረ ንህዝቢ ዘየሳተፈን ንፖለቲካዊ ረብሓ ንምውዓል ዝተገብረ እዩ ክብሉ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ወቒሶም።

ሓላፊት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ክልላዊ መንግስቲ ደቡብ ሰናይት ሰሎሞን ኣብ መንጎ ማሕበረሰባት ማረቆን መስቃን ዝነበረ ግጭት ብዕርቂ ምዝዛሙ ብምሕባር ናይ ኣወዳድባን ናይ ወሰንን ሕቶታት ግን ናይቲ ክልል መንግስቲ ዲሞክራሲያዊ ብዝኾነ ኣገባብ ንምምላስ ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፀን።