ቻይና ዳግማይ ዝረኣ ዘሎ ለበዳ ቫይረስኮሮና ንምግታእ ተካይዶ ጻዕርታት

Your browser doesn’t support HTML5

ቻይና ኣካል'ቲ ኣብ ርእሰ ኸተማ እታ ሃገር ዝደገሰ ዳሕረዋይ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንምውጋዱ ትገብሮ ናይ ዘላ ጻዕርታት ኣብታ ኸተማ ኣብያተ ትምህርቲ ተዓጽየን ክጸንሓን ተማሃሮ'ዉን ናብ ኣብያተ ትምህርቲ ከይኸዱን ኣዚዛ። ከም ኣካል'ዚ ጻዕርታት ምክልኻል ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ሰበ-ስልጣን ቤይጂንግ ንመስመራት ባቡርን መጉዓዝያታት ን ኣውቶቡሳትን ኣብያተ ንግድን ኣብያተ ስፖርትን ኣብያተ ትያትርን ዓጽዮም።