ትጽቢት መንእሰያት ንርሁው መጻኢ

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲን ህወሓትን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን ዝተፈረመ ስምምዓት፡ ነባሪ ፍታሕ ከምጽእን ድምጺ ብረት ክትጥፍእን፡ ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ገለ ነበርቲን ተመዛበልቲን መቐለ ገሊጾም። ገለ ካብቶም ንተደጋጋሚ ምምዝባል ዝተሳጥሑ ምዃኖም ዝገልጹ ወሃብቲ ርእይቶ፡ እቲ ዕርቂ ንጉዳያት ተሓታትነት’ውን ኣብ ግምት ከእቱ ተስፋኦም ገሊጾም።