ዋሽንግተን —
ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝተፈላለየ መዳጎኒ ማእከል ስደተኛታት ሊብያ ዝርከቡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ከምዝግዕዙ ሎሚ ሶሉስ ኣፍሊጡ።
ድሕሪ ምውዳቕ መራሒ ሊብያ ነበር መሃመድ ጋዳፊ ሊብያ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ተበጊሶም ማእከላይ ባሕሪ ብምቁራጽ ኣውሮጳ ንምብጻሕ ዝጉዓዙ ስደተኛታት ቀንዲ መሰጋገሪ ቦታ ኮይና ጸኒሓ’ያ።
ወሃቢ ቃል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ባባር ባላች ካብቶም ኣብ መዳጎኒ ማእከል ስደተኛታት ሊብያ ዝርከቡ 4,700 ስደተኛታት 500 ስደተኛታት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዝመጽእ ቁሩብ ሰሙናት ናብ ሩዋንዳ ከምዝግዕዙ ሓቢሩ’ሎ።
እዚ ምግዓዝ ስደተኛታት ብሕብረት ኣውሮጳ ዝምወል ምዃኑ’ውን እቶም ወሃቢ ቃል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ወሲኾም ገሊጾም ኣለው ።
ብመሰረት ሓበሬታ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ካብ ኤርትራ፡ሶማል፡ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝመጹ ኣስታት 4,700 ስደተኛታት ኣብ መዳጎኒ ማእከል ስደተኛታት ሊብያ ኣብ ዘይሰብኣዊ ኩነታት ከምዝርከቡ ይሕብር።
ሰበ ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ስደተኛታት ብነፋሪት ካብ ሊብያ ናብ ካብ ከተማ ኪጋሊ ውጽእ ኢሉ ዝርከብ መዓስከር በብጉጅለ(ሓደ ጉጅለ -50 ሰባት ዝሓዘ) ከምዝውሰዱ ገሊጾም ኣለው።