ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ ጨንፈር ሊብያ ክልተ ኤርትራዊያን ብዝተተኾሰሎም ጥይት ምሟቶም ይሕብር

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ጨንፈር ሊብያ ብዓርቢ 10 ጥሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ክልተ ኤርትራዊያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ከተማ ትሪፖሊ ብዝተተኾሰሎም ጥይት ምሟቶም ይሕብር።

እቲ ትካል ኣብ መግለጺኡ እቶም ስደተኛታት ካብቶም ኣስታት 4,000 ዝኾኑ ኣብ ትሕቲ’ቲ ትካል ተመዝጊቦም ብውልቆም ኣብ ከተማ ዝነብሩ ምዃኖም’ውን ይገልጽ። ይኹን ደአ እምበር ጠንቂ ሞት ኮነ ኣብቲ ህሞት ብዛዕባ ዘጋጠመ ኩነታት ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።

እዞም ክልተ ኤርትራዊያን ካብ ኣቡ ሰሊም ዝተባህለ መዳጎኒ ማእከል ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ 2019 ናብቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት መአከቢን መበገሲን ማእከል (GDF) ዝአተው ምኻኖም ይኹን ደአ እምበር ካብ ወርሒ ሕዳር 2019 ጀሚሩ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ጨንፈር ሊብያ እቲ ቦታ ካብ ዓቕሚ ንላዕሊ ሰባት ሒዙ ምህላውን እኹል ቀረብ መግብን ማይን እውን ብዘይምህላው ኣብ ከተማታት ወጺኦም ክነብሩ ብምግዳዱ ካብቲ መዓስከር ወጺኦም ኣብ ከተማ ትሪፖሊ ንኣስታት ሓደ ወርሒ ክነብሩ ዝጸንሑ’ዮም።

እቶም ክልተ ኤርትራዊያን ኣብ ገርጋርሰክ ዝበሃል ከባቢ ኣብ ከተማ ትሪፖሊ ምስ ካልኦት 12 ሰባት ኣብ ሓደ ገዛ ይነብሩ ከምዝነበሩን ኣብቲ ገዛ ምስኦም ዝነብር ዝነብረ ሳሚ ዝተባህለ ኤርትራዊ መንእሰይ ይገልጽ። ንሱ ብተወሳኺ ብዛዕባ’ቲ ኩነታት ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ’ሎ።

ኣብቲ እቶም ስደተኛታት መወዳእታ ተዓቑቦምሉ ዝነበሩ መአከቢን መፋነዊን ማእከል (GDF) ዝርከቡ ስደተኛታት ብሰንበት ነቶም ዝሞቱ ናይ ዝኽሪ ስነ ስርዓት ድሕሪ ምክያድ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ካብ ናብ ከተማታት ምውጻእ ዝሓሸ አማራጺ ከዳልው ጻውዒቶም ብደብዳበ ኣቕሪቦም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ ጨንፈር ሊብያ ክልተ ኤርትራዊያን ብዝተተኾሰሎም ጥይት ምሟቶም ይሕብር