ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ ኣብ መፋነዊን መአከቢን ማእከል ትሪፖሊ ዝለው ስደተኛታት ከምዘጉል ኣፍሊጡ

ፋይል

ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ካብ ዓቐን ንላዕሊ ሰባት ሒዙ ኣብ ዘሎ መሰጋገሪ ማእከል ስደተኛታት ከተማ ትሪፖሊ ሊብያ ዘለው ስደተኛታት ከምዘጉድል ወሃቢ ቃል’ቲ ትካል ብቐዳም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም።

ሊብያ ኣብ ሃገሮም ካብ ዘሎ ኹናትን ድኽነት ሃዲሞም ናብ ማእከላይ ምብራቕን ኣውሮጳን ንምብጻሕ ዝጉዓዙ ስደተኛታት መሰጋገሪ ማእከል ኮይና ምጽንሓ ይፍለጥ።

“እቲ ኩነታት ብጣዕሚ ኣጸጋሚ’ዩ ዘሎ፡ ንሕና ድማ እኹል ቐረብ የብልናን” ዝበሉ ወሃቢ ቃል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ቻርሊ ያክስሊ ኣብቲ ኣብ ዋና ከተማ ሊብያ ዝርከብ መአከቢን መፋነዊን ማእከል ልዕሊ 1200 ስደተኛታት ከምዘለው ንኣሶሴይትድ ፕረስ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ገሊጾም ኣለው።

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ትካል ዘይተመዝገቡ ስደተኛታት ሓገዝ ብምሃብ ካብቲ መአከቢን መፋነዊን ማእከልን ክወጹ ከምዝሓተተ ሓቢሩ’ሎ።

ብመሰረት ኣሶሴይትድ ፕረስ ዝረኸቦ ሓበሬታ እቲ ትካል እቶም ስደተኛታት ኣብቲ ማእከል ክሳብ ዘሓልዎ ናብ ካልእ ቦታ ኮነ ሃገር ምጥያስ ከምዘይክእሉ ይገልጽ። ኣብቲ ማእከል ክምዝገቡ ዝደልዩ ኩሎም ካብቲ ማእከል ብምውጻእ ክምዝገቡ’ውን የተሓሳስብ።

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ነቶም ዘይተመዝገቡ ስደተኛታት ካብ መጀመርያ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ናይ መግብን ሕክምናን ሓገዝ ከምዝህብ’ውን ኣፍሊጡ’ሎ።

ወሃቢ ቃል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ቻርሊ ያክስሊ ትካሎም ነቶም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝደልዩን ናብ ካልእ ሃገር ዑቕባ ዝሓተቱ ስደተኛታት ከምዝተሓጋገዝ ሓቢሮም ኣለው።

ኣሶሴይትድ ፕረስ ዘዘራረቦም ስደተኛታት ግን ኣብታ ሃገር ብዘሎ ቀጻሊ ኹናት ካብቲ ማእከል ንምውጻእ ንውሕስነቶም ከምዘስግእ ይገልጹ።

ብመሰረት ሓበሬታ ሕቡራት ሃገራት ኣስታት 40,000 ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ኣብ ሊብያ ይነብሩ፡ ገለ’ውን ኣብ ብዕጡቓት ሚሊሻ ኣብ ዝመሓደሩ መዳጎኒ ማእከል ኣብ ኣዝዩ ተአፋፊ ዝርከቡ ሕጹጽ ሓገዝ ዘድልዮም ከምዝኾነ’ቲ ትካል ወሲኹ ይሕብር።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ 205 ካብ ዛውያ ዝተባህለ ከባቢ ተበጊሶም ናብ ኣውሮጳ ዘምርሑ ዝነብሩ ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምምላሱ ይገልጽ። 33 ካብቶም ስደተኛታት ደቂ ኣንስትዮ ምኳነን 14 ድማ ህጻናት ምዃኖም ኩሎም እቶም ስደተኛታት ናብ ታጁራ መዳጎኒ ማእከል ከምዝተወስዱ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ።