ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ብዘጋጠመ ምጥሓል ስደተኛታት ዝጸዓነት ጀልባ ሃለዎት 40 ስደተኛታት ከምዘይተፈልጠ ሎሚ ሶሉስ ኣፍሊጡ።
ካብቶም ኣብታ ጀልባ ዝነበሩ 60 ስደተኛታት ምድሓኖም’ውን ተገሊጹ’ሎ።
ወሃቢ ቃል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ቻርሊ ያዚሊ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ብዘጋጠመ ምጥሓል ጀልባ ህይወት ሰብ ጠፊኡ ክኸውን ከምዝክእልን ዝርዝር ሓበሬታ ግን ከምዘይተፈልጠ ኣብ ናይ ትዊተር ገጾም ኣብ ዘውጽዕዎ መልእኽቲ ሓቢሮም ኣለው።
Your browser doesn’t support HTML5
ወሃቢ ቃል ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣዩብ ቃሲም ሬሳ ሓሙሽተ ሰባት ምርካቡን 65 ስደተኛታት ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ምድሓኖምን ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ገሊጹ።
ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ካብቶም ሬስኦም ዝተረኽቡ እቶም ሰለሰተ ሱዳናዊያን ሓደ ድማ ሶማላዊ ምዃኖም ክገልጽ ከሎ ሕቡራት ሃገራት ድማ ዝበዝሑ ካብቶም ዝደሓኑ ሱዳናዊያን ክኾኑ ከለው ካብ ግብጺ: ሞሮኮን ቱኒዝያን ዝመጹ ከምዝርከብዎም ሓቢሩ’ሎ።
ካብ ሊብያ ተበጊሶም ማእከላይ ባሕሪ ብምቁራጽ ኣውሮጳ ንምብጻሕ ዝፈተኑ ካብ ስደተኛታት ኣስታት 100 ዝሓለፈ ሰሙን ምሟቶም ይዝከር።
ብመሰረት ሪፖርት ሕቡራት ሃገራት ነዚ ጉዕዞ ዝፍጽሙ ቁጽሪ ስደተኛታት ካብ ወርሒ ሓምለ 2017 ጀሚሩ እንተጎደለ’ዃ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ኣስታት 5,400 ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ንምቁራጽ ፈቲኖም ምትሓዞም ገሊጹ’ሎ።
ሚንስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ድማ ካብ ወርሒ ጥሪ 2019 ጀሚሩ 4,862ስደተኛታት ኢጣልያ ምእታዎም ይገልጽ።