ትካል መጽናዕቲ ኤርትራውያን ንፖሊሲን ስትራተጂን ቀዳማይ ዋዕላኡ ኣቃኒዑ

ቀዳማይ ዋዕላ ትካል መጽናዕቲ ኤርትራውያን  ንፖሊሲን ስትራተጂን 

“ትካል መጽናዕቲ ኤርትራውያን ንፖሊሲን ስትራተጂን” ዝተባህለ ምትእኽኻብ ሞያውያንን ተመራመርቲን ኤርትራውያን ኣብ ስደት ብቐዳም 14 ነሓሰ 2021 ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ቀዳማይ ዋዕላኡ ኣቃኒዑ።

ኣብቲ “Time is of the Essence: For Transition to Democratic Eritrea and Stable Horn of Africa” ማለት “ሕድገት ዘየፍቅድ ግዜ፡ መሳግሮ ንደሞክራሲያዊት ኤርትራን ውሑስ ቀርኒ-ኣፍሪቃን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ኣብ ኣደራሽ ካቶሊክ ዩኒቨርስቲ ዝወዓለ ናይ ሓደ መዓልቲ ርክብ፡ ብኣካልን ማንዛን (ብርሕቐት) ኣስታት 150 ኤርትራውያን ተመራመርቲን ሞያውያንን ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ተሳቲፎም።

መኽፈቲ ቃል ዘስምዐ ፕረዚደንት እቲ ማሕበር ዶክተር ቶማስ ሰሎሞን ከም ዝጠቐሶ እቲ ዓውደ-መጽናዕቲ፤ ንሞያውያንን ተመራመርቲን ኤርትራውያን ንዘሎ ጸገም ንምግጣም ዝዛትዩሉ መኣዲ ምፍጣር፣ ንጉዳይ ኤርትራን ነባሪ ሰላም ቀርኒ-ኣፍሪቃን ምዝርራብ፣ ኣብ ሓድሕድ ኤርትራውያን ተመራመርቲን ሞያውያንን ናይ ስራሕን ምሕዝነትን መስመር ምፍጣር፣ ከምኡ’ውን ንኣስጋእነት ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ኤርትራ ንምስታይ ዝዓለመ’ዩ ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ብኣካልን ማንዛን ሽዱሽተ ወረቓቕቲ ክቐርብ እንከሎ፡ ድሕሪ ነፍሲ-ወከፍ ጽሑፍ ድማ ክፉት ናይ ክትዕን ልውውጥን ባይታ ነይሩ። ኣብ ጕጅለታት ዝተመቓቐሉ ተዛተይቲ ድማ ድሕሪ ነፍሲ-ወከፍ ዘተ ውጽኢት ክትዖም ንተሳተፍቲ የካፍሉ ነይሮም። ኣብቲ ኣጋጣሚ’ውን ኣብ 2000 ዓመተ-ምህረት፡ ንሓደገኝነት ኤርትራ እትኸዶ ዘላ ኣንፈት ኣመልኪቶም ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ቅሉዕ ደብዳበ ንዝጸሓፉ 13 ኤርትራዊያን ምሁራንን ሞያውያንን ናይ ኣፍልጦን ምስጋናን ምስክር ተዋሂቦም። ሰለስተ ካብቶም ብልምዲ ብጉጅለ-13 ተባሂሎም ዝጽውዑን “ማኒፈስቶ በርሊን” ዝብል ክፉት ደብዳበ ዝጸሓፉን ኤርትራውያን ኣብቲ ኣጋጣሚ ብኣካል ክርከቡ እንከለዉ፡ ካልኦት ከኣ ናይ ጽሑፍን ድምጺን መልእኽቲ ሰዲዶም።

ትካል መጽናዕቲ ኤርትራውያን ንፖሊሲን ስትራተጂን ኣብ ፈለማ 2020 ዝተመስረተ በርጌሳዊ ማሕበር ኰይኑ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣስታት 200 ዝበጽሑ ሞያውያንን ተመራመርቲን ዝሓቘፈ’ዩ። እዚ ማሕበር፡ ኣብ ዓሰርተ ንኡሳን ዓውድታት ኣተኲሩ ዝሰርሕ’ዩ።

ነዚ ናይ ቀዳም ዓውደ-መጽናዕቲ ብዝምልከት ኣብ ዝመጽእ ዝሰፍሐ መደብ ክህልወና’ዩ።