ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ (ትእምት) ተፀዋዕነቱ ንቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ክኸወን ተወሲኑ

ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ወይዘሮ ልያ ካሳ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ኣብ ዘካየዶ ጉባኤ ትእምት ተፀዋዕነቱ ናብቲ ቤት ምኽሪ ክኸውን ከምዝተወሰነ ተዛሪበን።

መተሓዳዳሪ ደንቢ ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ (ትእምት) ንብረትነት እቲ ትካል ናይ ህዝቢ ትግራይ ብምዃኑ መሰረት ቦርድን ቤት ምኽሪን እቲ ትካል ብዘመሓላለፎ ውሳኔ መሰረት ተፀዋዕነት እቲ ትካል ንቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ክኸውን ሎማዓንቲ ውሳነ ተመሓላሊፉ።

ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን እቲ ክልል ትግራይ ወይዘሮ ልያ ካሳ ቤት ምኽሪ ትግራይ ዘካየዶ ጉባኤ ጠሚቱ ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ ትእምት ተፀዋዕነቱ ንቤት ምኽሪ ትግራይ ክኸውን ወሲኑ ኢለን።

ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን እቲ ክልል ትግራይ ወይዘሮ ልያ ካሳ

ቅድሚ ሐዚ ህዝቢ ብፍላይ መናእሰይን ሙሁራንን እቲ ትካል ብመሰረት መተሓዳደሪ ደንቡ ተፀዋዕነቱ ንህዝቢ ክኸውን ክሓተቱ ፀኒሖም እዮም ድሕሪ ምባል ብመሰረት እዚ ተፀዋዕነት ትእምት ኣብቲ ክልል ላዕለዋይ ስልጣን ህዝቢ ንዝኾነ ቤት ምኽሪ ክኸውን ተወሲኑ ኢለን።

ወይዘሮ ልያ ኣብ ቤት ምኽሪ ትእምት ኣባለት ዝኾኑ ድማ ኣፈ ጉባኤታት ኣብያተ ምኽሪ ወረዳታት፣ መቐለን ክፍላተ ከተማ ክኾኑ ከምዝተወሰነን ካልኦት እውን ኣባላት እቲ ቤትምኽሪ ክኾኑ ተወሲኑ ኢለን።

Your browser doesn’t support HTML5

መግለጺ ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ወይዘሮ ልያ ካሳ

ቅድሚ ሐዚ ትእምት ተፀዋዕነቱ ንቦርድን ቤትምኽሪን እቲ ትካል ዝነበረ ኮይኑበዚ ድማ ኣሰራርሕኡ ግልፂ ኣይኮነን ብዝብል ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ሕቶ ይለዓል ነይሩ እዩ።

ትእምት ካብ ዝምስረት 24 ዓመታት ዘቑፀረ ትካል እዩ።