ትንታነ፤ ህሉዊ ኵነታት ክልል ትግራይን ተኽእሎታት ሓድሽ መሪሕነትን

Your browser doesn’t support HTML5

ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ስዒቡ ኣብ ቀረባ ኣብ ክልል ትግራይ ግዚያዊ መንግስቲ ክጣየሽ ሙኻኑ ብወገን ክልል ትግራይ መራሒ ጉጅለ ሰላም ኣይተ ጌታቸው ረዳ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ተደጋጋሚ ዘተታት ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜታዊ መግለፂ ተዛሪቦም። ኣብዚ ጉዳይ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ፖለቲካዊን ካልእ ማሕበራዊ ምዕበላታትን ትንታነ ንኽህቡና ቅድም ክብል ኣብ ዩኒቨርስቲ መቀለ መምህር ዝነበሩን ብዓል ሞያ ሕጊ ገብረህይወት ሓዱሽ ዓዲምና ኣሎና።