ቴክኖሎጂ ኣብ ምቅላል ህይወት ባሕረኛታት ከተማ ባጽዕ

Your browser doesn’t support HTML5

ቴክኖሎጂ ኣብ ምቅላል ህይወት ባሕረኛታት ከተማ ባጽዕ

ዘመንዊ ቴክኖሎጂ ከም መሐበሪ ካርታ GPSን ካልኦትን ኣብ ህይወት ባህላውያን ገፈፍቲ ዓሳ ዓቢ ለውጢ የምጽኡ ከም ዘለዉ፡ እቶም ንበበይኑ ወለዶታት ምግፋፍ ዓሳ ዝተኻፈሉ ይሕብሩ።

ሙሳ ዓሊ ሙሳ ኣብ ምግፋፍ ዓሳ ዝተዋፈረ ነባሪ ከተማ ባጽዕ’ዩ። ነቲ ኣብ እዋን ንእስነቱ ወላዲኡ ንምሕጋዝ ዝጀመሮ ስራሕ ምግፋፍ ዓሳ፡ ምሉእ ብምሉእ ተረኪቡ ኣብ ምስራሕ ከምዝርከብ ዝዛረብ ሙሳ፡ ኣንፈትን ኩነታት ኣየርን ንምፍላጥ ኣብ ሞባይሉ ዝጸዓኖ ካርታን ሓበሬታን ከምዝጥቀምን ንካልኦት ገፈፍቲ ዓሳ ‘ውን ከምዝሕግዝን ምስ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት ገሊጹ’ሎ።