ታሕተዋይ ባይቶ ኣመሪካ ንመርዓ ሕደ-ጾታ ዘለዎም ድጋፍ የርእዩ

  • ዜና ቪኦኤ

ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ኣብ ቀረባ እዋን ንመሰል ምንጻል ጥንሲ ድሕሪ ምልዋጡ፡ በቲ ተርእዮ ምኽላስ ሕጊ ዝተሻቐሉ ታሕተዋይ ባይቶ ኣመሪካ፡ ንመርዓ ሕደ-ጾታን በበይኑ ዓሌታትን ብዓብላሊ ድምጺ ከም ሕጊ ክቕጽል የሕሊፎሞ።

ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝተዋህበ ድምጺ፡ እቲ ባይቶ ብ267 ናይ ድጋድ 157 ድማ ናይ ተቓውሞ ድምጺ ብምቝጻር ነቲ ዝጸንሐ ሕጊ ዘለዎ ድጋፍ ኣርእዩ። ከም ኣገላልጻ ተንተንቲ፡ እዚ ተበግሶ ንላዕለዋይ ባይቶን ክልቲኡ ተቐናቐንቲ ሰልፍታትን ተመሳሳሊ ስጕምቲ ብምውሳድ ንውሳነ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ናብ ሕጊ’ዛ ሃገር ንምቕያሩ ብዛዕባ ክወስዱዎ ዘለዎም ተበግሶ ዘርኢ’ዩ ይብሉ። ኣብዚ ናይ ታሕተዋይ ባይቶ ድምጺ፡ ብዙሓት ኣባላት ረፓብሊካን ናይ ድጋፍ ድምጺ ምሃቦም ካብ ትጽቢት ብዙሓት ወጻኢ ኰይኑ ኣሎ።

ብታሕተዋይ ባይቶ ሓሊፉ ዘሎ ድምጺ ናብ ሕጊ ንምልዋጡ፡ ብሰነት ክጸድቕ የድልዮ። እዚ ግን ብመብዛሕትኦም ኣባላት ሰልፊ ረፓብሊካን ተቓውሞ ክገጥሞ ከም ዝኽእል ይግመት።

ምምሕዳር ባይደን ንሕጊ መርዓ ዝምልከት ዘለዎ ድጋፍን ነቲ ብታሕተይ ባይቶ ዝሓለፈ ድምጺ ተቐባልነትን ገሊጹ ኣሎ።

ከም ዝዝከር ብጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገልበጠ ሕጊ፡ ብድምጺ ሰነት ናብ ነባሪ ሕጊ’ዛ ሃገር ንምቕያሩ ብወገን ሰልፊ ደሞክራት ተፈቲኑስ ክሰልጥ ኣይከኣለን። ነቲ ኣቐዲሙ ብዝጸደቐ ከም መርዓ ሕደ-ጾታን በበይኑ ዓሌትን ከምኡ’ውን ካልእ ኣከራርኸርቲ ጉዳያት በቲ ብዓቃባውያን ዝዕብለል ዘሎ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ዳግም ከይግልብጥ ቀንዲ ስግኣት ኣባላት ሰልፊ ደሞክራት’ዩ።