ዋሽንግተን —
ኣብዚ ቅነ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ምብራቅ ኣፍሪቃን ዑደት ከካይዱ ዝጸንሑ ሓጋዚ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ንጉዳያት ኣፍሪቃ ቲቦር ናዥ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢን ወጻኢን ብዝገበረቶ ምክፋት ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሓጉስ ምዕባለ ይረአ’ሎ ክብሉ ገሊጾም።
ንሶም ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ’ውን ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ሓዊሱ ርክብ ክልቲኣን ሃገራት ከምቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ደረጃ ንምብጻሕ ዘኽእሉ ዝተፈላለየ ጉዳያት ከምዝተዘራረቡ ኣፍሊጦም።
ቲቦር ናዥ ነዚ ዝገለጹ ኣብ ኬን ያ ካብ ዝተፈላለዩ ጋዜጠኛታት ብዛዕባ ዑደቶምን ኣፍሪቃን ዝምልከት ንዝቀረበሎም ሕቶታት ዝሃብዎ ኣብ ምላሽን’ዩ ።
Your browser doesn’t support HTML5