ቱርኪ ናይ ክልተ መዓልታት ኣፍሪቃዊ ዋዕላ ተተአናግድ

  • ዜና ቪኦኤ
    ተወልደ ወልደገብረኤል

ፕረዚደንት ቱርኪ ረጂፕ ጠይፕ ኦርዶዋን

ቱርኪ ከም አካል'ቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዲፕሎማሲያዊን ቁጠባዊን ጽልዋ ንምስፋሕ ትገብሮ ጻዕሪ ኣብዚ ሰሙን`ዚ ናይ ክልተ መዓልታት ኣፍሪቃዊ ዋዕላ ተተኣናግድ ኣላ። እቲ ዋዕላ ኣካል`ቲ ቱርኪ ተኸፍተን ዘላ 30 ሓደሽቲ ኤምባሲታት ምዃኑ`ውን ተሓቢሩ`ሎ።

ፕረዚደንት ቱርኪ ረጂፕ ጠይፕ ኦርዶዋን፡ ቀጻሊ በጻሒ ኣፍሪቃ`ዩ፡ ካብ 2003 ጀሚሩ፡ 28 ግዜ ናብ`ታ ኣህጉር ገይሹ`ሎ።

ህንጡይነት ቱርኪ ምስ`ታ ቀደም ባዕዳዊት ገዛኢታ ዝነበረት ፈረንሳ ኣብ ውድድር ከም ዘእተዋ`ዩ ዝንገር፡ ኣብ ግጭት ሊብያ ድማ ምስ ግብጺ ኣብ ክልተ ኣንጻራዊ ጉጅለታት`የን ዘለዋ።