ተጻራሪ ኣናብባ ንዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ቻይናን ሩስያ

Your browser doesn’t support HTML5

ተጻራሪ ኣናብባ ንዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ቻይናን ሩስያ

ኣብ ወርሒ ግንቦት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሰፊሕ ኣቓልቦ ማዕከናት ዜና ዝሰሓበ ዑደት ናብ ቻይናን ሩስያን ኣካዪዱ። ርክብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ክልተ ዓበይቲ መራሕቲ ኣብ ዘቤታዊ፡ ዞባዊ ዓለማዊን መድረኻት ክህሉዎ ዝኽእል ለውጢ ንምግምጋም እምበኣር’ዩ ሎሚ ሒዝናዮ ዘሎና ዛዕባ: ኣብዚ ርክባት ዘለዎም ሓሳባት ንኸካፍሉና፡ ኣቐዲሙ ዲፕሎማት ኤርትራ ዝነበረን ሕጂ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝቕመጥ ምሁር ኣህጉራዊ ዝምድናታት ዘርአስላሴ ረድኢ ሽከርን ኣብ ጉዳያት ኤርትራን ቀርኒ ኣፍሪቃን ብቐረባ ዝከታተል ነባሪ ኦክላንድ ካሊፎርኒያ ኣልኣዛር ኣብርሃምን ዓዲምና ኣሎና።